1
ሉቃስ 17:19
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ብድሕሪዙይ “ተስእ እሞ ኺድ፤ እምነትካ ኣሕውያትካ ኣላ” በሎ።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ሉቃስ 17:4
ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ እንተ በደለካ፥ ተናሲሐ እናበለውን፥ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ ናባኻ እንተ ተመለሰ፥ ይቕረ በለሉ።”
3
ሉቃስ 17:15-16
ካብኣቶም ሓደ ኸም ዝሓወየ ምስ ረአየ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ ተመለሰ። እናመስገኖ ኸዓ፥ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ብግምባሩ ተደፍአ። ንሱ ድማ ሳምራዊ ነበረ።
4
ሉቃስ 17:3
ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ሓውካ እንተ በደለካ ገስፆ፤ እንተ ተናስሐ ሕደገሉ፤
5
ሉቃስ 17:17
ኢየሱስ ከዓ፦ “ዝነፅሁ ዓሰርተዶ ኣይነበሩን? እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ?
6
ሉቃስ 17:6
ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፦ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ እትህልወኩምስ፥ ነዝ ሳግላዙይ ካብ ሱርካ ተበቊስካ፥ ኣብ ባሕሪ ተተኸል እንተ እትብልዎ ምተኣዘዘኩም ነይሩ” በሎም።
7
ሉቃስ 17:33
እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ዘጥፍኣ ድማ፥ ከድሕና እዩ።
8
ሉቃስ 17:1-2
ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “መዐንቀፊ ግድን እንተይመፀ ኣይተርፍን እዩ፤ ነቲ ብሰንኩ መዐንቀፊ ዝመፅእ ግና ወይለኡ! ኻብዞም ኣናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዘስሕትስ፥ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ናብ ባሕሪ ኽድርበ ምሐሾ።
9
ሉቃስ 17:26-27
ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፥ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ። ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ሰባት ይበልዑን ይሰትዩን፥ የውስቡን ይዋሰቡን ነበሩ፤ ማይ ኣይሂ መፂኡ ድማ፥ ንዅሎም ኣጥፍኦም።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo