1
ማቴዎስ 24:12-13
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ብሰንኪ ብዝሒ ኽፍኣት ከዓ፥ ካብ ብዙሓት ሰባት ፍቕሪ ኽትንኪ እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።
比較
ማቴዎስ 24:12-13で検索
2
ማቴዎስ 24:14
ንዅሎም ኣህዛብ ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ እዝ ወንጌል መንግስቲ እዙይ፥ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።”
ማቴዎስ 24:14で検索
3
ማቴዎስ 24:6
ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፤ ኣስተውዕሉ፤ ኣይትደንግፁ፤ እዝ ዅሉ ብርግፅ ክኸውን እዩ፤ እንተ ኾነ መወዳእታኡ ሽዑ ኣይኮነን።
ማቴዎስ 24:6で検索
4
ማቴዎስ 24:7-8
ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ፥ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ። እዝ ዅሉ ናይ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።
ማቴዎስ 24:7-8で検索
5
ማቴዎስ 24:35
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
ማቴዎስ 24:35で検索
6
ማቴዎስ 24:5
‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓትውን ከስሕቱ እዮም።
ማቴዎስ 24:5で検索
7
ማቴዎስ 24:9-11
በቲ እዋን እቱይ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህቡኹምን ክቐትሉኹምን እዮም፤ ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ፅሉኣት ክትኮኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት እምነቶም ብምኽሓድ፥ ንስንሳቶም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡን ክፃልኡን እዮም። ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት ክለዓሉ፥ ንብዙሓትውን ከስሕትዎም እዮም።
ማቴዎስ 24:9-11で検索
8
ማቴዎስ 24:4
ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ዝኾነ ሰብ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ!
ማቴዎስ 24:4で検索
9
ማቴዎስ 24:44
እምበኣርከስ ንስኻትኩምውን፥ ብዘይ ሓሰብኩምዋ ሰዓት ወዲ ሰብ ክመፅእ እዩ እሞ፥ ተዳሊኹም ንበሩ።”
ማቴዎስ 24:44で検索
10
ማቴዎስ 24:42
እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፅእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፥ ነቒሕኩም ሓልዉ።
ማቴዎስ 24:42で検索
11
ማቴዎስ 24:36
“ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና፥ እንትርፊ ኣብ በይኑ፥ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኾኑ ወይ ወልድ፥ ሓደ እኳ ዝፈልጣ የለን።
ማቴዎስ 24:36で検索
12
ማቴዎስ 24:24
ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም፤ እንተ ተኽኢልዎምስ፥ ነቶም ሕሩያት እንተይተረፈ እኳ ንምስሓት፥ ዓብዪ ምልክታትን ዘደንቕ ነገራትን ከርእዩ እዮም።
ማቴዎስ 24:24で検索
13
ማቴዎስ 24:37-39
ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ። ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ጊዜ፥ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ክበልዑን ክሰትዩን፥ ከውስቡን ክዋሰቡን ዝፀንሑ እሞ፥ ማይ ኣይሂ መፂኡ፥ ንዅሉ ኽሳዕ ዘጥፍእ ዘይፈለጡ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።
ማቴዎስ 24:37-39で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ