1
ዘፍጥረት 27:28-29
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እግዚኣብሄር ከዓ ጠሊ ሰማይን ስብሒ ምድርን፥ ብዝሒ እኽልን ወይንን ይሃብካ። ኣህዛብ ይገዝኡኻ፤ ህዝብታት ድማ ይስገዱልካ፤ ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፤ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ። ዝረግመካ ርጉም፥ ዝምርቐካ ምሩቕ ይኹን” በሎ።
比較
ዘፍጥረት 27:28-29で検索
2
ዘፍጥረት 27:36
ኤሳው ከዓ “ያእቆብ ክልተ ሻዕ ኣሰናኺሉኒ፤ ቅድም ብዅርናይ፥ ሕዚ ኸዓ እንሆ ምርቓይ ወሰደ። ብቐደሙስ እንተ ኾነ ስሙ ያእቆብዶ ኣይኮነን! ንኣይከ ምርቓዶ ኣየትረፍካለይን ኢኻ?” በሎ።
ዘፍጥረት 27:36で検索
3
ዘፍጥረት 27:39-40
ኣቦኡ ይስሓቅ ድማ መሊሱ፦ “እንሆ፥ መነባብሮኻ ኻብ ስብሒ ምድሪ፥ ካብ ላዕሊ ኻብ ዝርከብ ጠሊ ሰማይ ክኸውን እዩ። ብሰይፍኻ ኽትነብር፥ ንሓውካ ድማ ኽትግዛእ ኢኻ፤ ምስ ተቓወምካዮ፥ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽትድርቢ ኢኻ” በሎ።
ዘፍጥረት 27:39-40で検索
4
ዘፍጥረት 27:38
ኤሳው ድማ “ኣታ ኣቦይ! ሓንቲ ምርቓ ጥራሕ ድያ ዘላትካ? ንኣይውን እባ መርቐኒ” በሎ። ኤሳውውን ዓው ኢሉ ኽበኪ ጀመረ።
ዘፍጥረት 27:38で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ