ማርቆስ 2

2
ንመፃጕዕ ከም ዘሕወየ
(ማቴ. 9፡1-8ሉቃ. 5፡17-26)
1 # ማር. 3፡20። ኢየሱስ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ናብ ቅፍርናሆም ተመሊሱ መፀ፤ ኣብ ገዛ ኸም ዘሎውን ተሰምዐ። 2መረባ ኽሳዕ ዝፀቦም ብዙሓት ሰባት ናብኡ ተኣከቡ፤ ቃሉውን ይነግሮም ነበረ። 3ኣርባዕተ ሰባት ድማ ንሓደ መፃጕዕ ብዓራት ፆይሮም ናብኡ ኣምፅኡ። 4ካብ ፃዕቒ ህዝቢ ዝተልዓለ ናብኡ ኸእትውዎ ስለ ዘይከኣሉ፥ ናብቲ ናሕሲ ደዪቦም በቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ወገን ነቲ ናሕሲ ኣልዒሎም፥ ነቲ መፃጕዕ ምስቲ ደቂሱሉ ዝነበረ ዓራት ናብኡ ኣውረድዎ። 5#መዝ. 32፡1። ኢየሱስ ከዓ እምነቶም ሪኡ፥ ነቲ መፃጕዕ “ወደይ! ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ። 6-7#ዮሓ. 10፡33፥ መዝ. 103፡3፥ ኢሳ. 43፡25። እንሆ ኸዓ ኻብ መምህራን ሕጊ ገሊኣቶም ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፤ ብልቦም ድማ “ንምንታይ እዩ እዝ ሰብ እዙይ ከምዙይ ኢሉ ዝፃረፍ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?” እናበሉ ይሓስቡ ነበሩ። 8ኢየሱስ ድማ ብልቦም እዝ ሓሳብዙይ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ፥ ሽዑ ንሽዑ ብመንፈሱ ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ከምዙይ ትሓስቡ ኣለኹም? 9ኣየናይ ይቐልል? ነዝ መፃጕዕ እዙይ ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ ወይ ‘ተስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ’ ምባል? 10#ዮሓ. 10፡38። እምበኣር ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ እዩ” ኢሉ፥ ነቲ መፃጕዕ፥ 11“ተስእ እሞ ዓራትካ ተሰኪምካ፥ ናብ ገዛኻ ኺድ እብለካ ኣለኹ” በሎ። 12#ማር. 1፡27፥ ዮሓ. 5፡9። እቲ መፃጕዕ ድማ ሽዑ ንሽዑ ተሲኡ፥ ዓራቱ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወፀ። ስለዙይ ድማ ዅሎም ተደነቑ እሞ፥ “ከምዙይ ዝበለ ኸቶ ኣይረአናን” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
ሌዊ ኸም ዝተፀውዐ
(ማቴ. 9፡9-13ሉቃ. 5፡27-32)
13ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ወሰን ባሕሪ ኣቢሉ ኸደ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ናብኡ መፁ፤ ይምህሮምውን ነበረ። 14ክሓልፍ እንተሎ ድማ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ ኣብቲ ቐረፅ ዝቕረፀሉ ተቐሚጡ ረአዮ እሞ፥ “ተኸተለኒ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ተሲኡ ተኸተሎ። 15ድሕሪዙይ ኢየሱስ ኣብ ገዛ ሌዊ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ፤ ዝተኸተልዎ ብዙሓት ነበሩሞ፥ ብዙሓት ቀረፅትን ሓጥኣንን ምስ ኢየሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። 16#ሉቃ. 18፡11። እቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኢየሱስ ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ክበልዕን ክሰትን ምስ ረአይዎ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ዝበልዕን ዝሰትን?” በልዎም። 17#ሉቃ. 19፡10፥ ኢሳ. 55፡7። ኢየሱስ ከዓ ሰሚዑ፥ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣይደልይዎን፤ ኣነ ኸዓ ንሓጥኣን እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም።
ብዛዕባ ፆም ዝቐረበ ጥያቐ
(ማቴ. 9፡14-17ሉቃ. 5፡33-39)
18ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይፆሙ ነበሩ። ሰባት መፂኦም፥ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንን ይፆሙ እዮም፤ ስለ ምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይፆሙ?” ኢሎም ንኢየሱስ ጠየቕዎ። 19ኢየሱስ ከዓ፦ “መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኣዕርኽቲ መርዓዊ ኽፆሙዶ ይኽእሉ? መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኽፆሙ ኣይግብኦምን። 20#ዮሓ. 16፡20። እንተ ኾነ መርዓዊ ኻብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ኽፆሙ እዮም። 21ሓድሽ ቍራፅ ዓለባ፥ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ከቶ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፤ ምቕዳዱ ኸዓ ዝገደደ ይኸውን። 22ንሓድሽ ወይኒ ድማ፥ ኣብ ብላይ ሓርቢ ዝመልእ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ ወይኒ፥ ነቲ ብላይ ሓርቢ ይቐዶሞ፥ እቲ ወይኒ ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢውን ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና፥ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ” #2፡22 ኣብ ግእዝ “ንስንሳቶም ድማ ይተሓላለዉ” ዝብል ይርከብ። በሎም።
ብዛዕባ ሰንበት ዝቐረበ ጥያቐ
(ማቴ. 12፡1-8ሉቃ. 6፡1-5)
23ኢየሱስ ብሰንበት ብማእኸል ገራሁ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ሸዊት እናቐንጠቡ ምብላዕ ጀመሩ። 24ፈሪሳውያን ከዓ “እስኪ ረአ! ደቀ መዛሙርትኻ ስለ ምንታይ ብሰንበት ክግበር ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ?” በልዎ። 25-26ኢየሱስ ድማ “ብዘመን ሊቀ ካህናት ኣብያታር፥ ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን፥ ንሱ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ፥ እቲ ካህናት ጥራሕ እምበር ካልኦት ክበልዕዎ ዘይተፈቐደ ሕብስቲ ቝርባን ከም ዝበልዐን፥ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምንዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?” በሎም። 27#ዘዳ. 5፡14። “ሰንበት እያ ምእንቲ ሰብ ዝተፈጥረት እምበር፥ ሰብ ምእንቲ ሰንበት ኣይተፈጥረን። 28እምበኣርከስ ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበትውን እዩ” በሎም።

Zur Zeit ausgewählt:

ማርቆስ 2: ትመ15

Markierung

Teilen

Kopieren

None

Möchtest du deine gespeicherten Markierungen auf allen deinen Geräten sehen? Erstelle ein kostenloses Konto oder melde dich an.

YouVersion verwendet Cookies, um deine Erfahrung zu personalisieren. Durch die Nutzung unserer Webseite akzeptierst du unsere Verwendung von Cookies, wie in unserer Datenschutzrichtlinie beschrieben