ማርቆስ 3

3
ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ ከም ዘሕወየ
(ማቴ. 12፡9-14ሉቃ. 6፡6-11)
1ኢየሱስ መሊሱ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #3፡1 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” ኣተወ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ነበረ። 2ምእንቲ ክኸስዎ ድማ ብሰንበት ዘሕውዮ እንተ ኾይኑ ይፀናተውዎ ነበሩ። 3ኢየሱስ ከዓ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ “ተስእሞ ኣብ ማእኸል ደው በል” በሎ። 4#ሉቃ. 13፡15፥ 14፡3። ንኣኣቶም ድማ “ብሰንበትስ ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር? ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም። ንሳቶም ግና ስቕ በሉ። 5በቲ ትረት ልቦም ጕህዩ፥ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም፥ ብቝጥዓ ጠመቶም፤ ነቲ ሰብኣይ ከዓ “ኢድካ ዘርግሕ!” በሎ፤ ንሱ ድማ ዘርግሓ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት። 6#ማር. 8፡15፥ 12፡13። ፈሪሳውያን ድማ ወፂኦም፥ ብቕልጡፍ ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ምስ ሰባት ሄሮድስ ተማኸሩ።
ኢየሱስ ተኣምራት ከም ዝገበረ
7ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ፤ ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከዓ፥ ብዙሓት ሰባት ሰዓብዎ። 8#ማቴ. 4፡24-25። ከምኡውን ብዙሕ ህዝቢ፥ ነቲ ዅሉ ዝገበሮ ሰሚዑ ኻብ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ኤዶምያስ፥ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ካብ ዙርያ ጢሮስን ሲዶናን ናብኡ መፀ። 9ብምኽንያት ብዝሒ ህዝቢ፥ ሰብ ምእንቲ ኸይዳፍኦ ጃልባ ኣዳልዮም ከፅንሑሉ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም። 10#ማቴ. 9፡20። ንብዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ፥ ኵሎም ሕማም ዘለዎም ምእንቲ ኽነኽእዎ ኽሳዕ ዝወድቁ ይደፋፍኡ ነበሩ። 11#ማር. 1፡1፥24። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ምስ ረአይዎ “ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሎም እናእወዩ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቁ ነበሩ። 12#ማቴ. 12፡15-16፥ ሉቃ. 6፡17-19። ንሱ ግና ኸየግህድዎ ኣበርቲዑ ኣዘዞም። #ማቴ. 8፡4።
ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ከም ዝሓረየ
(ማቴ. 10፡1-4ሉቃ. 6፡12-16)
13ኢየሱስ ናብ እምባ ደዪቡ፥ ነቶም ዝደለዮም ፀውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ናብኡ መፁ። 14#ሉቃ. 9፡2። ምስኡ ክኾኑን፥ ክሰብኩ ምእንቲ ኽልእኾምን፥ ዓሰርተ ኽልተ መሪፁ “ሃዋርያት” ኢሉ ሰመዮም። 15#ማር. 6፡7። [ሕሙማት ከሕውዩን] ኣጋንንቲ ኸውፅኡን ድማ ስልጣን ሃቦም። 16እቶም ዓሰርተ ኽልተ ድማ፦ “ጴጥሮስ” ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦን፥ 17እቶም “ቦኣኔርጌስ” ማለት “ደቂ ነጐድጓድ” ኢሉ ዝሰመዮም ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ሓዉ ዮሃንስን፥ 18እንድርያስን፥ ፊልጶስን፥ በርተሎሜዎስን፥ ማቴዎስን፥ ቶማስን፥ ወዲ እልፍዮስ ያእቆብን፥ ታዴዎስን፥ ስምኦን ቀነናዊን፥ #3፡18 ቀነናዊ፦ ወይ “ቀናኢ” 19እቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊን እዮም።
ኢየሱስ ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል ኣውፂኡ ኸም ዝተብሃለ
(ማቴ. 12፡22-32ሉቃ. 11፡14-2312፡10)
20 # ማር. 2፡2፥ 6፡31። ኢየሱስ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ምብላዕ ምግቢ ኽሳዕ ዝስእኑ መሊሱ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። 21#ዮሓ. 7፡5። እቶም ኣዝማዱ ኸዓ “ዓቢዱ እዩ” እንትበሃል ሰሚዖም ክሕዝዎ መፁ። 22#ዮሓ. 7፡20፥ 8፡48፥ 10፡20። ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ መምህራን ሕጊ ድማ “ብኤል ዜቡል ሒዝዎ ኣሎ፤ ንኣጋንንቲ እውን ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውፅኦም ዘሎ” በሉ። 23ኢየሱስ ድማ ፀውዖም፤ ብምስላታት ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ሰይጣን ንሰይጣን ከመይ ገይሩ ኸውፅኦ ይኽእል? 24ሓንቲ መንግስቲ ንስንሳታ እንተ ተፈላልያ፥ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን። 25ሓንቲ ስድራውን ንስንሳታ እንተ ተፈላልያ፥ እታ ስድራ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን። 26ሰይጣን ከዓ ንስንሳቱ ተፃሊኡ እንተ ተፈላልዩ፥ ይጠፍእ ደኣ እምበር ኣይቐውምን። 27ነቲ ሓያል ቅድም እንተይኣሰረ፥ ኣብ ገዛ ሓያል ኣትዩ፥ ንብረቱ ኽጕርጕር ዝኽእል ሓደኳ የለን። ምስ ኣሰሮ ግና ነቲ ገዛኡ ኽጕርጕር ይኽእል። 28#1 ጢሞ. 1፡13-14። ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንደቂ ሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ፀርፍን ክሕደገሎም እዩ። 29#ሉቃ. 12፡10። እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግና፥ ንዘለኣለም ኵነኔ ደኣ ይኾኖ እምበር ፈፂሙ ኣይሕደገሉን እዩ።” 30#ማር. 3፡22። ከምዙይ ዝበሎም ድማ “ርኹስ መንፈስ ሓዲርዎ” ስለ ዝበልዎ እዩ።
እኖ ኢየሱስን ኣሕዋቱን
(ማቴ. 12፡46-50ሉቃ. 8፡19-21)
31እኖኡን ኣሕዋቱን ናብኡ መፁ፤ ኣብ ደገ ቖይሞም ከዓ ኽፅውዕዎ ለኣኹሉ። 32ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጡ ነበረሞ፥ “እንሆ እኖኻን ኣሕዋትካን ኣብ ደገ ይደልዩኻ ኣለዉ” በልዎ። 33ንሱ ድማ “እኖይ መን እያ? ኣሕዋተይከ እንመን እዮም?” ኢሉ መለሰሎም። 34ነቶም ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ እናጠመተ “እኖይን ኣሕዋተይንስ እኒሀዉ” በለ። 35#ዮሓ. 15፡14። “ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ሓወይን ሓፍተይን እኖይን እዩ” በሎም።

Zur Zeit ausgewählt:

ማርቆስ 3: ትመ15

Markierung

Teilen

Kopieren

None

Möchtest du deine gespeicherten Markierungen auf allen deinen Geräten sehen? Erstelle ein kostenloses Konto oder melde dich an.

YouVersion verwendet Cookies, um deine Erfahrung zu personalisieren. Durch die Nutzung unserer Webseite akzeptierst du unsere Verwendung von Cookies, wie in unserer Datenschutzrichtlinie beschrieben