ዘፍጥረት 3

3
ውድቀት ኣዳም
1 # ራእይ 12፡9፥ 20፡2። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝፈጠሮ ኣራዊት ምድሪ፥ ተመን የመና ጐራሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉ ኣዚዙኩም እዩ?” ኢሉ ጠየቓ።
2እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ተመን “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና። 3ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእኸል ገነት ዘላ ኦም ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ‘ከይትሞቱስ፥ ካብኣ ኣይትብልዑ፤ ኣይትንክእዋውን’ ኢሉና እዩ” በለቶ።
4-5እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ “እግዚኣብሄርስ በታ ኻብኣ ብትበልዑላ መዓልቲ፥ ኣዒንትኹም ከም ዝኽፈታ፥ ከም እግዚኣብሄርውን ከም እትኾኑ፥ ፅቡቕን ክፉእን ከዓ ኸም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ ‘ኣይትብልዑ’ ዝበለኩም እምበር ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ።
6እታ ሰበይቲ ድማ፥ እታ ኦም ንዐይኒ ፅብቕቲ፥ እቲ ፍረኣ ንምብላዑ ዘብህግ፥ ጥበብ ብምሃብውን ሰናይ ምዃና ሪኣ፥ ካብታ ፍረ ኦም ወሲዳ በልዐት፤ ንሰብኣያውን ሃበቶ፤ ንሱውን ምስኣ በልዐ። 7ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ፤ ጥራሖም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቈፅሊ በለስ ሰፍዮም ከዓ ኣገልደሙ።
8ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ ድማ፥ ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ገነት እንትመላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከዓ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ገነት ተሓብኡ። 9እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳም ፀዊዑ “ኣበይ ኣለኻ?” በሎ።
10ንሱ ኸዓ “ድምፅኻ ኣብ ገነት ሰማዕኹ፤ ጥራሐይ ስለ ዝኾንኩ ድማ ፈሪሐ ተሓባእኹ” ኢሉ መለሰሉ።
11ንሱ ድማ “ጥራሕኻ ምዃንካ መን ነገረካ? ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕኻ ኢኻ?” በሎ።
12ኣዳም ከዓ “እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ፥ ካብታ ፍረ ኦም ሂባትንስ በሊዐ” በለ።
13 # 2 ቆሮ. 11፡3፥ 1 ጢሞ. 2፡14። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ “እዝ ዝገበርክዮ እንታይ እዩ?” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “እቲ ተመን ኣስሒቱኒ እየ ዝበላዕኹ” በለት።
እግዚኣብሄር ፍርዱ ኸም ዝሃበ
14ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፦ “እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት ምድርን ርጉም ኩን። ብኸብድኻ ኺድ፤ ኵሉ ዘመን ህይወትካ ድማ ሓመድ ክትበልዕ ኢኻ። 15#ራእይ 12፡17። ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።
16ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ኣብ ወርሓት ጥንስኺ ንመከራኺ ኸብዝሖ እየ፤ ብፃዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፤ ምስ እዙይውን ድሌትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፤ ንሱውን ክመልከኪ እዩ” በላ።
17 # ዕብ. 6፡8። ንኣዳም ከዓ “ቃል ሰበይትኻ ሰሚዕኻ፥ ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕኻ፥ ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። ብዅሉ ዘመን ህይወትካ እንጀራኻ ኻብኣ ብፃዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። 18ምድሪ እሾዅን ኣሜከላን ተብቍለልካ፤ በቝሊ በረኻ ድማ ኽትበልዕ ኢኻ። 19ናብታ ዝተፈጠርካላ መሬት ክሳዕ እትምለስ፥ እንጀራኻ ብረሃፅካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻሞ፥ ናብ መሬት ከዓ ኽትምለስ ኢኻ” በሎ።
20ኣዳም ድማ ንሰበይቱ፥ እኖ ዅሎም ህያዋን ስለ ዝኾነት “ሄዋን” #3፡20 ሄዋን፦ ብዕብራይስጢ “ህይወት” ማለት እዩ። ኢሉ ሰመያ። 21እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ካብ ቈርበት ክዳን ገበረሎም፤ ከደኖምውን።
ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ከም ዝተሰጐጉ
22 # ራእይ 22፡14። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ “እንሆ፥ ኣዳም ፅቡቕን ክፉእን ብምፍላጥ ካባና ኸም ሓደ ኾነ። ሕዚ እውን ኢዱ ኸይዝርግሕ፥ ካብ ኦም ህይወት ድማ ወሲዱ ኸይበልዕሞ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ኸይነብር” ኢሉ ኻብ ገነት ኣውፅኦ። 23ስለዙይ ነታ ዝተፈጠረላ ምድሪ ምእንቲ ኸልምዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ገነት ኤደን ኣውፅኦ። 24ምስ ኣውፅኦ ድማ፥ ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መንገዲ ዝሕልዉ ኪሩቤልን፥ እትጋላበጥን እተንበልብል ሰይፍን፥ ብወገን ምብራቕ ገነት ኤደን ኣቐመጠ።

Subratllat

Comparteix

Copia

None

Vols que els teus subratllats es desin a tots els teus dispositius? Registra't o inicia sessió

YouVersion utilitza galetes per personalitzar la teva experiència. En utilitzar el nostre lloc web, acceptes el nostre ús de galetes tal com es descriu a la nostra Política de privadesa