ዘፍጥረት 2

2
1ሰማያትን ምድርን እቲ ዅሉ ሰራዊቶምን ተፈፀሙ። 2#ዕብ. 4፡10። እግዚኣብሄር ድማ ዅሉ ስራሑ ብሽዱሽተ መዓልቲ ፈፂሙ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኻብ ኵሉ ስራሑ ኣዕረፈ። 3#ዘፍ. 20፡11። እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቲ ዝፈጠሮን ካብቲ ዅሉ ዝገበሮን ግብሩ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ስለ ዘዕረፈ፥ ንኣኣ ባረኻን ቀደሳን። 4በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሰማያትን ምድርን ዝፈጠረላ መዓልቲ፥ ልደት ሰማያትን ምድርን እዙይ እዩ።
ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን
5እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ምድሪ ገና ዝናም ስለ ዘየዝነመ ኣብ ምድሪ እውን ዝሰርሕ ሰብ ስለ ዘይነበረ፥ ኣብ ምድሪ ዝኾነ ኦም ኣይነበረን፤ በቝሊውን ሓደኳ ኣይበቘለን ነበረ። 6ግና ንዅላ ምድሪ ዘስቲ ግመ፥ ካብ ምድሪ ይወፅእ ነበረ።
7 # 1 ቆሮ. 15፡45። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ኻብ መሬት ምድሪ፥ ንሰብ ፈጠሮ፤ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ናይ ህይወት እስትንፋስ ኡፍ በለሉ፤ ሰብ ከዓ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ኾነ።
8እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ብወገን ምብራቕ ኣብ ኤደን፥ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝፈጠሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ። 9#ራእይ 2፡7፥ 22፡2፥14። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ምርኣዩ ዘብህግ፥ ምብልዑ ኸዓ ጥዑም ዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ። ኣብ ማእኸል ገነት ከዓ እታ ህይወት እትህብን፥ እታ ኽፉእን ፅቡቕን እተፍልጥን ኦም ኣብቈለ።
10ንገነት ዘስቲ ሩባ ኸዓ ኻብ ኤደን ይወፅእ ነበረ። ካብኡ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ሩባታት ተመቒሉ ይውሕዝ ነበረ። 11ስም እቲ ቐዳማይ ሩባ ፊሶን ይበሃል። ንሱ ኣብ ኵላ ዙርያ እታ ወርቂ ዘለዋ ምድሪ ኤውላጥ ዝኸብብ እዩ። 12ወርቂ እታ ምድሪ እቲኣ ፅሩይ እዩ፤ ኣብኣ ሉልን ክቡር እምንን ይርከብ። 13ስም እቲ ኻልኣይ ሩባ ድማ ግዮን ይበሃል። ንሱ እቲ ንዅላ ምድሪ ኢትዮጵያ #2፡13 ኢትዮጵያ፦ ብዕብራይጥ “ኩሽ” ይብል። ዝኸብብ እዩ። 14ስም እቲ ሳልሳይ ሩባ ኸዓ ጤግሮስ ይበሃል። ንሱ እቲ ብምብራቕ ኣሶር ዝውሕዝ እዩ። እቲ ራብዓይ ሩባ ድማ ኤፍራጥስ ይበሃል።
15እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ንሰብ ወሲዱ፥ ምእንቲ ኸልምዓን ክሕልዋን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ። 16እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፦ “ካብቲ ኣብ ገነት ዘሎ ዅሉ ፍረ ኦም ብላዕ። 17ካብ ፍረ እታ ፅቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ኣይትብላዕ፤ ካብኣ እንተ በሊዕኻ በታ ዝበላዕኻላ መዓልቲ፥ ሞት ክትመውት ኢኻ” ኢሉ ኣዘዞ።
18እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ “ሰብ በይኑ ኽነብር ፅቡቕ ኣይኮነን። ንእኡ ዝሰማማዕ ሓጋዚ ንፍጠረሉ” በለ። 19ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንዅሉ ኣራዊት በረኻን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ መሬት ፈጠረ። እንታይ ኢሉ ስም ከም ዘውፅአሎም ምእንቲ ኽርኢ ኸዓ ናብ ኣዳም ኣምፅኦም። ኵሉ ህይወት ዘለዎ ድማ በቲ ኣዳም ዘውፅአሉ ስም ተሰምየ። 20ኣዳም ከዓ ንዅሉ እንስሳን፥ ነዕዋፍ ሰማይን፥ ንኣራዊት በረኻን፥ ስም ኣውፅአሎም። ንኣዳም ዝሰማማዕ ሓጋዚ ግና ኣይተረኽበን።
21እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣምፅአሉ፤ ደቀሰውን፤ ካብ ጐኑ ሓደ ዓፅሚ ወሲዱ ድማ፥ ነታ ስፍራኣ ብስጋ መልኣ። 22እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ነታ ኻብ ኣዳም ዝወሰዳ ዓፅሚ፥ ኣንስተይቲ ገይሩ ሰርሓ እሞ ናብ ኣዳም ኣምፅኣ። 23ኣዳም ከዓ
“እዚኣ ዓፅሚ ኻብ ኣዕፅምተይ፥
ስጋ ኸዓ ኻብ ስጋይ እያ፤
ካብ ሰብኣይ ተረኺባ እያ እሞ፥
ሰበይቲ ትበሃል” በለ።
24 # ማቴ. 19፡5፥ ማር. 10፡7-8። ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ይሓድግ፤ ምስ ሰበይቱ ኸዓ ይዋሃድ፤ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ ይኾኑ።
25ኣዳምን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራሖም ነበሩ፤ እንተ ኾነ ኣይተሓፋፈሩን ነበሩ።

Subratllat

Comparteix

Copia

None

Vols que els teus subratllats es desin a tots els teus dispositius? Registra't o inicia sessió

YouVersion utilitza galetes per personalitzar la teva experiència. En utilitzar el nostre lloc web, acceptes el nostre ús de galetes tal com es descriu a la nostra Política de privadesa