ማቴዎስ 21

21
ኢየሱስ ብዓብዪ ኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኣተወ
(ማር. 11፡1-11ሉቃ. 19፡28-40ዮሓ. 2፡13-2212፡12-19)
1ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ቀረቡ፥ ኣብ ደብረ ዘይት ናብ እትርከብ ቤተ ፋጌ በፅሑ፤ ሽዑ ኢየሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ 2“ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ እስርቲ ኣድጊ ምስ ገልገል ኣድጊ ኽትረኽቡ ኢኹምሞ፥ ፈቲሕኹም ኣምፅኡለይ። 3ዝኾነ ሰብ ‘እንታይ ትገብሩ ኣለኹም’ እንተበለኩም፥ ‘ጐይታ #21፡3 ጐይታ፦ ግእዝ “ጐይታኦም” ይብል። ይደልዮም ኣሎ’ በልዎ፤ ሽዑ ኽሰዶም እዩ” በሎም። 4-5#ዘካ. 9፡9። እዝ ዅሉ ዝኾነ እቲ ብነቢይ
“ንጓል ፅዮን፥ #21፡4-5 ጓል ፅዮን፦ “ኢየሩሳሌም” ማለት እዩ።
‘እንሆ፥ የዋህን ፃድቕን ንጉስኪ፥
ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተቐሚጡ፥
ናባኺ ይመፅእ ኣሎ’ በልዋ”
ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
6ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኸይዶም ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ። 7ነታ ኣድግን ነታ ገልገላን ኣምፅኡሉ፤ ክዳውንቶም ድማ ኣብ ዝባነን ጐዝጐዙሉ፤ ኢየሱስ ከዓ ተቐመጠ። 8እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ድማ፥ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንፀፉ፤ ካልኦትውን ካብ ኣእዋም ጨንፈር እናሰልዑ ኣብቲ መንገዲ ይንስንሱ ነበሩ። 9#መዝ. 118፡26፥ 148፡1፥ ማቴ. 1፡1፥ 21፡15፥ 23፡39። እቶም ቀቅድሚኡ ዝኸዱ ደድሕሪኡውን ዝስዕቡ ህዝቢ ኸዓ፥ ዓው ኢሎም “ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት፥ እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ፤ ሆሳዕና #21፡9 ሆሳዕና፦ “ሕዚ ኣድሕን” ማለት እዩ። ኣብ ኣርያም!” እናበሉ ድምፂ የስምዑ ነበሩ።
10ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ ኸዓ፥ ኵላ እታ ኸተማ “መን እዩ እዙይ?” እናበለት ተናወፀት። 11#ማቴ. 21፡46፥ ማር. 6፡15፥ ሉቃ. 7፡16፥ 24፡19፥ ዮሓ. 4፡19፥ 6፡14፥ 7፡40፥ 9፡17። እቶም ህዝቢ ድማ “እዙይ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ዝመፀ ነቢይ ኢየሱስ እዩ” በሉ።
ኢየሱስ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝልውጡን ከም ዘባረረ
(ማር. 11፡15-19ሉቃ. 19፡45-48ዮሓ. 2፡13-22)
12 # ሉቃ. 2፡24። ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ ዅሎም ኣባረሮም። ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብር ሸየጥቲ ርግብንውን ገልበጠ። 13#ኢሳ. 56፡7፥ ኤር. 7፡10። “ ‘ቤተይ ቤተ ፀሎት ይበሃል’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ሰረቕቲ #21፡13 ሰረቕቲ፦ ግእዝ “ከተርትን ጐሓሉትን” ይብል። ገበርኩምዎ” በሎም። 14ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓ ዕዉራትን ሓንካሳትን ናብኡ መፁ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 15#ማቴ. 21፡9። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ግና፥ ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም፥ ህፃናትውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም “ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት” እንትብሉ ሰሚዖም ተናደዱ። #21፡15 ተናደዱ፦ ግእዝ “ኣጕረምረሙ” ይብል። 16#መዝ. 8፡2። “እዞም ቈልዑ ዝብልዎዶ ትሰምዕ ኣለኻ?” በልዎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እወ፥ እቲ ‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ህፃናትን ምስጋና ኣዳለኻ’ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?” በሎም፤ 17ሓዲጉዎም ድማ ኻብታ ኸተማ ወፂኡ ናብ ቢታንያ ኸደ፤ ኣብኡውን ሓደረ።
ፍረ ዘይብላ በለስ
(ማር. 11፡12-1420-25)
18ንግሆ ናብ ከተማ ኽምለስ እንተሎ ጠመየ፤ 19ኣብ ጥቓ መንገዲ ኦም በለስ ሪኡ ናብኣ ኸደ፤ እንተ ኾነ ቘፅሊ ጥራሕ እምበር፥ ሓንቲ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ “ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ!” በላ፤ እታ ኦም በለስ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ነቐፀት። 20ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሪኦም፥ “እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሽዑ ንሽዑ ነቐፀት!” እናበሉ ተገረሙ። 21ኢየሱስ ከዓ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እምነት እንተ ሃልያትኩም እሞ፥ እንተ ዘይተጠራጢርኩም፥ እዛ ዕፀ በለስ ከም ዝኾነቶ ጥራሕ ኣይኮነን እትገብሩ፤ ነዝ እምባ እዙይ ‘ተልዒልካ ናብ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በልኩምዎውን ክኾነልኩም እዩ። 22#ማቴ. 7፡7-8፥ 17፡20፥ 1 ቆሮ. 13፡2። ኣሚንኩም ብፀሎት ዝለመንኩምዎ ዅሉ ኽትቅበሉ ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም።
ስልጣን ኢየሱስ ካብ መን ከም ዝኾነ
(ማር. 11፡27-33ሉቃ. 20፡1-8)
23 # ዮሓ. 2፡18። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኽምህር እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን፥ ናብኡ መፂኦም “በየናይ ስልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ነዝ ስልጣን እዙይከ መን ሃበካ?” በልዎ። 24ኢየሱስ ከዓ መሊሱ፦ “ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም፤ ነዚኣ እንተ ነጊርኩምኒ፥ ኣነውን በየናይ ስልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ። 25#ማቴ. 21፡32። ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እዩ? ካብ ሰማይ ድዩ ወይ ካብ ሰብ?” በሎም። ንስንሳቶም ከዓ ኸምዙይ እናበሉ ተዘራረቡ፤ “ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ ‘ስለ ምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?’ ኽብለና እዩ፤ 26#ማቴ. 14፡5። ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ድማ፥ ኵሎም ንዮሃንስ ከም ነቢይ ስለ ዝሪእዎ፥ ነቶም ህዝቢ ንፈርሖም ኢና።” 27ንኢየሱስ ከዓ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ “ኣነውን በየናይ ስልጣን፥ ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን” በሎም።
ምስላ ኽልተ ኣሕዋት
28ቀፂሉ ኢየሱስ “እንታይ ይመስለኩም? ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ፤ ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፥ ‘ወደይ፥ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ውፈር እሞ ስራሕ’ በሎ። 29ንሱ ኸዓ ‘እምቢ’ ኢሉ መለሰ፤ ደሓር ግና ተናሲሑ ወፈረ። 30#ማቴ. 7፡21። ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸዓ ኸምኡ በሎ፤ ንሱ ድማ ‘እሺ ጐይታይ’ በሎ፤ ግና ኣይወፈረን። 31#ሉቃ. 3፡12፥ 7፡36-48፥ 18፡10-14። ካብ ክልቲኦም ኣየናይ እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝፈፀመ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እቲ ቐዳማይ” በልዎ፤ ኢየሱስ ድማ “ተቐበልቲ ቐረፅን ኣመንዝራታትን፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው፥ ከም ዝቕድሙኹም ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 32#ሉቃ. 7፡29-30። ዮሃንስ ብመንገዲ ፅድቂ ናባኻትኩም መፂኡ ነበረ እሞ፥ ተቐበልቲ ቐረፅን ኣመንዝራታትን ደኣ ኣመንዎ እምበር፥ ንስኻትኩምስ ኣይኣመንኩምዎን፤ ነዙይ ምስ ረአኹምውን ተናሲሕኹም ብእኡ ኣይኣመንኩምን” በሎም።
ምስላ ሓረስቶት ኣታኽልቲ ወይኒ
(ማር. 12፡1-12ሉቃ. 20፡9-19)
33ካልእ ምስላውን ስምዑ፥ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ በዓል ቤት ነበረ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መፅመቚ ድማ ዀዓተሉ፤ መሐለዊ ግንቢ ሰርሐሉ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂብዎም ከዓ፥ ናብ ካልእ ሃገር ከደ። 34ጊዜ ፍርያት ምስ በፅሐ፥ ካብ ፍረ ወይኑ ኸምፅኡሉ፥ ንኣገልገልቱ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ። 35#ማቴ. 22፡6፥ ግ.ሓ. 7፡52፥ ነህ. 9፡26። እቶም ሓረስቶት ከዓ ነቶም ኣገልገልቱ ሒዞም፥ ንገሊኣቶም ወቕዕዎም፤ ንገሊኣቶም ቀተልዎም፤ ንገሊኣቶምውን ብእምኒ ቐጥቀጥዎም። 36#ማቴ. 22፡4፥ 23፡37፥ 2 ዜና. 36፡15-16። ከምኡውን ካብቶም ቀዳሞት ዝበዝሑ ኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ፤ ንኣኣቶምውን ከምኡ ገበርዎም። 37#ገላ. 4፡4። ኣብ መወዳእታ ኸዓ ‘ንወደይስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ ኢሉ፥ ወዱ ናብኣቶም ለኣኸ። 38#ማቴ. 26፡3-4፥ ዕብ. 1፡1-2። እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ወዱ ምስ ረአይዎ፥ ንስንሳቶም ‘እንሆ እቲ ወራሲኡ እዙይ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎሞ፥ ርስቱ ኽንወርስ’ ተባሃሃሉ። 39ሒዞም ድማ ኻብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣውፂኦም ቀተልዎ። 40እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መፀ፥ ነቶም ሓረስቶት እቲኣቶም እንታይ ኮን ይገብሮም?” 41#መዝ. 2፡5፥9፥ ዳን. 9፡26፥ ማቴ. 8፡11-12፥ ግ.ሓ. 28፡28። ንሳቶም ከዓ “ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፥ ፍረኡ በብጊዜኡ ንዝህብዎ ኻልኦት ሓረስቶት ብብላዕ ይህቦም” በልዎ። 42#መዝ. 118፡22፥ ኢሳ. 8፡14፥ 28፡16። ኢየሱስ ከዓ፦
“ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥
ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤
እዙይ ካብ እግዚኣብሄር ኮነ፤
ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ፤’
ዝብልዶ ኣብ መፃሕፍቲ ኸቶ ኣየንበብኩምን?
43 # ማቴ. 21፡41። “ስለዙይ ድማ እታ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ከም እትውሰድ፥ ፍረኣ ንዘፍሪ ህዝቢ እውን ከም እትወሃብ እብለኩም ኣለኹ፤ 44ኣብቲ እምኒ እቱይ ዝወደቐ ይቕጥቀጥ፤ እቲ እምኒ እቱይ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ” በሎም።
45ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፥ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረበ ፈለጡ። 46ክሕዝዎ ድማ ደለዩ፤ ግና እቶም ህዝቢ ኸም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ፥ ንኣኣቶም ፈርሕዎም።

Цяпер абрана:

ማቴዎስ 21: ትመ15

Пазнака

Падзяліцца

Капіяваць

None

Хочаце, каб вашыя адзнакі былі захаваны на ўсіх вашых прыладах? Зарэгіструйцеся або ўвайдзіце