ማቴዎስ 20

20
ምስላ ሰራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይኒ
1“መንግስተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ፥ ሰራሕተኛታት ክደሊ ኣንጊሁ ዝወፀ በዓል ቤት ትመስል። 2ምስቶም ሰራሕተኛታት፥ ንነፍሲ ወከፎም ንመዓልቲ ሓደ ዲናር #20፡2 ዲናር፦ ሕዳግ ማቴ. 18፡28 ረአ። ክህቦም ምስ ተሰማምዐ፥ ክሰርሑ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም። 3ብሰለስተ ሰዓት ምስ ወፀ ድማ፥ ስራሕ ዘይብሎም ካልኦት ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረአየ፤ 4ንኣኣቶም ከዓ ‘ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይነይ ኪዱ እሞ ስርሑ፤ እቲ ዝግባእ ክኸፍለኩም #20፡4 ዝግባእ ክኸፍለኩም፦ ግእዝ “ዝመስለኒ እህበኩም” ይብል። እየ’ በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ኸዱ። 5መሊሱ ድማ ብሽዱሽተን ብትሽዓተን ሰዓት ወፂኡ ኸምኡ ገበረ። 6ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ሰዓትውን ወፂኡ፥ ካልኦት ደው ዝብሉ ረኸበ፤ ‘ንምንታይ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ስራሕ ኣብዙይ ደው እትብሉ?’ በሎም። 7ንሳቶም ከዓ ‘ስራሕ ዝቖፅረና ስለ ዝሰኣንና ኢና’ በልዎ። እምበኣር ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይነይ ኪዱሞ ስርሑ፤ ዝግባእ ክኸፍለኩም #20፡7 ሕዳግ ማቴ. 20፡4 ረአ። እየ” በሎም።
8“ምስ መሰየ እቲ በዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዚ ገዛኡ ‘ነቶም ሰራሕተኛታት ፀውዓዮም፤ ካብቶም ዳሕረዎት ጀሚርካ ኽሳዕ እቶም ቀዳሞት ደመወዞም ሃቦም’ በሎ። 9እቶም ብዓሰርተ ሓደ ሰዓት ናይ መዓልቲ ዝመፁ ቐሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ። 10#ሮሜ 10፡12። እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ኸዓ፥ ካብቶም ዳሕረዎት ዝበዝሕ ዝቕበሉ መሰሎም፤ ግና ንሳቶምውን ደዲናሮም ተቐበሉ። 11-12#ሮሜ 10፡3፥ 1 ቆሮ. 4፡7። ምስ ተቐበሉ ኸዓ ‘ነዞም ሓንቲ ሰዓት ዝሰርሑ ዳሕረዎት፥ ድኻም መዓልትን ሓሩርን ምስ ዝፆርና ምሳና ኣደላዲልካዮም’ እናበሉ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቤት ኣጕረምረሙ። 13ንሱ ኸዓ ንሓደ ኻብኣቶም ‘ዓርከይ! ኣይዓመፅኩኻን፤ ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕኻንን? 14ዝብፅሐካ ደኣ ሒዝካ ኺድ፤ ነዝ ዳሕረዋይ ድማ ኽንዲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። 15#ሮሜ 9፡14-16። ወይ ድማ ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ኽገብርዶ ኣይግብአንን እዩ? ወይ ኣነ ለጋስ ስለ ዝኾንኩዶ ዓይንኻ ጠባን እዩ?’ ኢሉ መለሰሉ።
16 # ማቴ. 19፡30። “እቶም ዳሕረዎት ቀዳሞት ክኾኑ፥ እቶም ቀዳሞት ከዓ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም፤ ፅዉዓት ብዙሓት፥ ሕሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ።”
ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ንሳልሳይ ጊዜ ኸም ዝተዛረበ
(ማር. 10፡32-34ሉቃ. 18፡31-34)
17ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ እንተሎ፥ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ወሰዶም፤ ኣብ መንገዲ ድማ 18#ማቴ. 16፡20። “እንሆ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ንወዲ ሰብ፥ ንሊቃነ ካህናትን ንመምህራን ሕግን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ንሳቶምውን ንሞት ክፈርድዎ እዮም። 19#ማቴ. 27፡2፥29፥33። ከላግፁሉን ክገርፍዎን ክሰቕልዎን ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ክትስእ እዩ” በሎም።
ልመና እኖ ደቂ ዘብዴዎስ
(ማር. 10፡35-45ሉቃ. 22፡24-27)
20 # ማቴ. 4፡21፥ 27፡56። ድሕሪዙይ እኖ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ደቃ ናብኡ ቐሪባ እናሰገደት ሓደ ነገር ለመነቶ። 21ኢየሱስ ከዓ “እንታይ ትደልዪ?” በላ። ንሳ ድማ “እዞም ክልተ ደቀይ ኣብ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፥ ሓደ ብፀጋምካ ኽቕመጡ ግበረለይ” በለቶ።
22 # ማቴ. 26፡42፥56። ኢየሱስ ግና መሊሱ “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝሰትዮ ፅዋዕ ክትሰትዩዶ #20፡22 ኣብ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን ግእዝን “እታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትከ ኽትጥመቑ” ዝብል ይርከብ። ትኽእሉ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ ንኽእል” በልዎ።
23 # ግ.ሓ. 12፡2፥ ራእይ 1፡9፥ ማቴ. 25፡34። ኢየሱስ ከዓ “ፅዋዐይስ ክትሰትዩ ኢኹም፤ #20፡23 ኣብ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን ግእዝን “ጥምቀተይውን ክትጥመቑ” ዝብል ይርከብ። ኣብ የማነይን ፀጋመይን ምቕማጥ ግና፥ ነቶም ሰማያዊ ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝህብ” በሎም።
24እቶም ዓሰርተ ደቀ መዛሙርቱ ነዙይ ሰሚዖም በቶም ክልተ ኣሕዋት ኰረዩ። 25ስለዙይ ኢየሱስ ፀዊዑ “ንኣህዛብ እቶም ሹመኛታቶም ከም ዝገዝእዎም፥ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም።
26 # ማቴ. 23፡11፥ 1 ቆሮ. 9፡19። “ኣባኻትኩም ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ እቲ ኻባኻትኩም ዓብዪ ክኸውን ዝደሊ፥ ኣገልጋሊኹም ይኹን። 27#ማር. 9፡35፥ 2 ቆሮ. 4፡5። እቲ ኻባኻትኩም ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ፥ ሓሽከርኩም ይኹን። 28#ማቴ. 26፡28፥ ማር. 10፡45፥ ሉቃ. 22፡27፥ ዮሓ. 10፡18። ወዲ ሰብውን፥ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ገይሩ ኽህብን ደኣ እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም።
ክልተ ዕዉራት ከም ዘሕወየ
(ማር. 10፡46-52ሉቃ. 18፡35-43ማቴ. 9፡27-31)
29ካብ ኢያሪኮ ኽወፁ እንተለዉ ኸዓ፥ ብዙሓት ሰባት ተኸተልዎ። 30#ማቴ. 1፡1። እንሆ ድማ ኽልተ ዓይነ ስዉራት ኣብ ወሰን መንገዲ ተቐሚጦም ነበሩ እሞ፥ ኢየሱስ ይሓልፍ ከም ዘሎ ሰሚዖም፥ “ኦ ጐይታ! ወዲ ዳዊት መሓረና!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
31እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ ክብሉ ገሰፅዎም፤ ንሳቶም ግና “ኦ ጐይታ! ወዲ ዳዊት መሓረና!” እናበሉ ኣበርቲዖም ድምፂ ኣስምዑ።
32ኢየሱስ ደው ኢሉ ፀውዖም እሞ፥ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ?” በሎም።
33ንሳቶም ድማ “ኦ ጐይታ! ኣዒንትና ክኽፈታ” በልዎ።
34ኢየሱስ ድማ ራህርሀሎም፤ ኣዒንቶምውን ዳህሰሰ እሞ ሽዑ ረአዩ፤ ተኸተልዎውን።

Цяпер абрана:

ማቴዎስ 20: ትመ15

Пазнака

Падзяліцца

Капіяваць

None

Хочаце, каб вашыя адзнакі былі захаваны на ўсіх вашых прыладах? Зарэгіструйцеся або ўвайдзіце