1
ማርቆስ 13:13
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ምእንቲ ስመይ ብዅሉ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም፤ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።”
موازنہ
تلاش ማርቆስ 13:13
2
ማርቆስ 13:33
ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ ተጠንቀቑ! ንቕሑን፥ ፀልዩን።
تلاش ማርቆስ 13:33
3
ማርቆስ 13:11
ኣሕሊፎም ንኽህቡኹም ክወስዱኹም እንተለዉ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እንታይከ ኽንዛረብ ኢና? ኢልኩም ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ። ሽዑ ዝውሃበኩም ተዛረቡ፤ እትዛረቡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን፥ መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር።
تلاش ማርቆስ 13:11
4
ማርቆስ 13:31
ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
تلاش ማርቆስ 13:31
5
ማርቆስ 13:32
“ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ እንትርፊ ኣብ፥ መላእኽቲ ሰማይ ኮኑ ወይ ወልድ ሓደኳ ዝፈልጣ የለን።
تلاش ማርቆስ 13:32
6
ማርቆስ 13:7
ውግእን ወረ ውግእን ምስ ሰማዕኹም ኣይትሸበሩ፤ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ፤ ግና መወዳእታኡ ገና እዩ።
تلاش ማርቆስ 13:7
7
ማርቆስ 13:35-36-37
እቲ በዓል ገዛ፥ ምሸት ወይ ፍርቂ ለይቲ ወይ ደርሆ ነቆ ወይ ንግሆ፥ መአዝ ኸም ዝመፅእ ስለ ዘይትፈልጡ፥ ድንገት መፂኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምስ ‘ንቕሑ’። እዝ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፥ ንዅሉ እየ ዝብሎ ዘለኹ፤ ‘ንቕሑ’ ”።
تلاش ማርቆስ 13:35-36-37
8
ማርቆስ 13:8
ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ፥ ክለዓል እዩ፤ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ጥሜትን ክኸውን እዩ፤ እዝ ነገራት እዙይ፥ ናይቲ ቕልውላው መጀመርታ እዩ።”
تلاش ማርቆስ 13:8
9
ማርቆስ 13:10
ኣቐዲሙ ግና ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ክስበኽ ግድን እዩ።
تلاش ማርቆስ 13:10
10
ማርቆስ 13:6
ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓት ከዓ ኸስሕቱ እዮም።
تلاش ማርቆስ 13:6
11
ማርቆስ 13:9
“ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኣይ ምኽንያት ንፍርዲ ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎቶምውን ክገርፉኹም፥ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከዓ፥ ደው ከብሉኹም እዮም እሞ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
تلاش ማርቆስ 13:9
12
ማርቆስ 13:22
ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም እሞ፤ እንተ ተኽኢልዎምስ ነቶም ሕሩያትውን፥ ከስሕቱ ምልክትን ዘደንቑ ነገራትን ክገብሩ እዮም።
تلاش ማርቆስ 13:22
13
ማርቆስ 13:24-25
“እንተ ኾነ በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ድሕሪ እዝ መከራ እዙይ፥ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፤ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይትህብን እያ። ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ክወድቁ፥ ሓይልታት ሰማያትውን ክናወፁ እዮም።
تلاش ማርቆስ 13:24-25
صفحہ اول
بائبل
مطالعاتی منصوبہ
Videos