1
ዘፍጥረት 35:11-12
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ። ፍረን ብዛሕን፥ ህዝብን ማሕበር ኣህዛብን ካባኻ ኽወፁ እዮም። ነገስታትውን ካብ ሕቘኻ ኽወፁ እዮም። እዛ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ዝሃብክዎም ምድሪ ንኣኻ ኽህባ እየ። ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ዘፍጥረት 35:3
ንዑናይ ናብ ቤቴል ንደይብ፤ ኣነ ኸዓ ኣብኣ ነቲ ብመዓልቲ መከራይ ዝሰምዐንን፥ ኣብ ዝኸድክዎ መንገዲ ምሳይ ንዝነበረ ንእግዚኣብሄር፥ መሰውኢ ኽሰርሕ እየ” በሎም።
3
ዘፍጥረት 35:10
ቀፂሉውን “ስምካ ያእቆብ እዩ፤ ድሕሪ ደጊም እስራኤል እምበር ያእቆብ ኣይትበሃልን ኢኻ” ድማ በሎ። ስለዙይ እግዚኣብሄር “እስራኤል” ኢሉ ሰመዮ።
4
ዘፍጥረት 35:2
ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎምን “ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፤ ንፁሃትውን ኩኑ፤ ክዳውንትኹም ድማ ለውጡ።
5
ዘፍጥረት 35:1
እግዚኣብሄር ንያእቆብ “ተስእ እሞ ናብ ቤቴል ደይብ፤ ኣብኣውን ተቐመጥ። ካብ ሓውካ ኤሳው ሃዲምካ ኽትከይድ እንተለኻ ንዝተገለፀልካ እግዚኣብሄር መሰውኢ ስራሕ” በሎ።
6
ዘፍጥረት 35:18
ክትመውት ኢላ፥ ነፍሳ ኽትወፅእ እንተላ ድማ ቤንኦኒ ኢላ ሰመየቶ። ኣቦኡ ግና ብንያም ኢሉ ሰመዮ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo