1
ማርቆስ 13:13
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ምእንቲ ስመይ ብዅሉ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም፤ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።”
Porovnať
Preskúmať ማርቆስ 13:13
2
ማርቆስ 13:33
ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ ተጠንቀቑ! ንቕሑን፥ ፀልዩን።
Preskúmať ማርቆስ 13:33
3
ማርቆስ 13:11
ኣሕሊፎም ንኽህቡኹም ክወስዱኹም እንተለዉ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እንታይከ ኽንዛረብ ኢና? ኢልኩም ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ። ሽዑ ዝውሃበኩም ተዛረቡ፤ እትዛረቡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን፥ መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር።
Preskúmať ማርቆስ 13:11
4
ማርቆስ 13:31
ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
Preskúmať ማርቆስ 13:31
5
ማርቆስ 13:32
“ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ እንትርፊ ኣብ፥ መላእኽቲ ሰማይ ኮኑ ወይ ወልድ ሓደኳ ዝፈልጣ የለን።
Preskúmať ማርቆስ 13:32
6
ማርቆስ 13:7
ውግእን ወረ ውግእን ምስ ሰማዕኹም ኣይትሸበሩ፤ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ፤ ግና መወዳእታኡ ገና እዩ።
Preskúmať ማርቆስ 13:7
7
ማርቆስ 13:35-36-37
እቲ በዓል ገዛ፥ ምሸት ወይ ፍርቂ ለይቲ ወይ ደርሆ ነቆ ወይ ንግሆ፥ መአዝ ኸም ዝመፅእ ስለ ዘይትፈልጡ፥ ድንገት መፂኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምስ ‘ንቕሑ’። እዝ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፥ ንዅሉ እየ ዝብሎ ዘለኹ፤ ‘ንቕሑ’ ”።
Preskúmať ማርቆስ 13:35-36-37
8
ማርቆስ 13:8
ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ፥ ክለዓል እዩ፤ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ጥሜትን ክኸውን እዩ፤ እዝ ነገራት እዙይ፥ ናይቲ ቕልውላው መጀመርታ እዩ።”
Preskúmať ማርቆስ 13:8
9
ማርቆስ 13:10
ኣቐዲሙ ግና ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ክስበኽ ግድን እዩ።
Preskúmať ማርቆስ 13:10
10
ማርቆስ 13:6
ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓት ከዓ ኸስሕቱ እዮም።
Preskúmať ማርቆስ 13:6
11
ማርቆስ 13:9
“ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኣይ ምኽንያት ንፍርዲ ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎቶምውን ክገርፉኹም፥ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከዓ፥ ደው ከብሉኹም እዮም እሞ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
Preskúmať ማርቆስ 13:9
12
ማርቆስ 13:22
ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም እሞ፤ እንተ ተኽኢልዎምስ ነቶም ሕሩያትውን፥ ከስሕቱ ምልክትን ዘደንቑ ነገራትን ክገብሩ እዮም።
Preskúmať ማርቆስ 13:22
13
ማርቆስ 13:24-25
“እንተ ኾነ በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ድሕሪ እዝ መከራ እዙይ፥ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፤ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይትህብን እያ። ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ክወድቁ፥ ሓይልታት ሰማያትውን ክናወፁ እዮም።
Preskúmať ማርቆስ 13:24-25
Domov
Biblia
Plány
Videá