1
ማቴዎስ 6:33
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንስኻትኩም ግና፥ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚኣብሄርን ፅድቁን ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ።
Palyginti
Naršyti ማቴዎስ 6:33
2
ማቴዎስ 6:34
እምበኣርከስ፥ ፅባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፥ ብዛዕባ ፅባሕ ኣይትጨነቑ፤ ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ እዩ።”
Naršyti ማቴዎስ 6:34
3
ማቴዎስ 6:25
ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። ህይወት ካብ መብልዕ፥ ሰብነት ከዓ ኻብ ክዳንዶ ኣይበልፅን እዩ?
Naršyti ማቴዎስ 6:25
4
ማቴዎስ 6:6
ንስኻ ግና ኽትፅሊ እንተለኻ፥ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕፆኻ ዓፂኻ ድማ፥ ናብቲ ብስዉር ዘሎ ኣቦኻ ፀሊ። እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ ድማ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።
Naršyti ማቴዎስ 6:6
5
ማቴዎስ 6:9-10
“ንስኻትኩምስ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤ ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፤
Naršyti ማቴዎስ 6:9-10
6
ማቴዎስ 6:11
ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና፤
Naršyti ማቴዎስ 6:11
7
ማቴዎስ 6:12
ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ በደልና ይቕረ በለልና፤
Naršyti ማቴዎስ 6:12
8
ማቴዎስ 6:13
ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፥ ኣሜን።’
Naršyti ማቴዎስ 6:13
9
ማቴዎስ 6:14
“ንሰብ በደሎም እንተ ሓዲግኩምሎም፥ ንኣኻትኩም ድማ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም በደልኩም ክሓድገልኩም እዩ።
Naršyti ማቴዎስ 6:14
10
ማቴዎስ 6:26
ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፤ ናይ ሰማይ ኣቦኻትኩም ደኣ ይምግቦም እምበር፥ ኣይዘርኡ፥ ኣይዓፅዱ፥ ኣብ ማዕኸንውን ኣይእክቡን እዮም። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻብኣቶም የመና ኣይትበልፁን?
Naršyti ማቴዎስ 6:26
11
ማቴዎስ 6:19-21
“ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዝሰርቅዎ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ። ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ ሃብቲ ኣክቡ እምበር። ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ እሞ።
Naršyti ማቴዎስ 6:19-21
12
ማቴዎስ 6:24
“ሓደ ኣገልጋሊ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ኽፀልእ፥ ነቲ ሓደ ኸፍቅር እዩ፤ ወይ ከዓ ነቲ ሓደ ከኽብር ነቲ ሓደ ኽንዕቕ እዩ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
Naršyti ማቴዎስ 6:24
13
ማቴዎስ 6:30
እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ፥ ፅባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ ደኣ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣብሊፁ ዘይኸድነኩም!
Naršyti ማቴዎስ 6:30
14
ማቴዎስ 6:3-4-3-4
ንስኻ ግና ኽትምፅውት እንተለኻ፥ የማነይትኻ እትገብሮ ፀጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፤ ምፅዋትካ ብሕቡእ ይኹን፤ እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ እሞ።
Naršyti ማቴዎስ 6:3-4-3-4
15
ማቴዎስ 6:1
“ብሰብ ምእንቲ ኽትረአዩ ኢልኩም፥ ምፅዋትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኮነ፥ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም፥ ዓስቢ የብልኩምን።
Naršyti ማቴዎስ 6:1
16
ማቴዎስ 6:16-17-18
“እቶም ግብዛት ፀወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ፥ ገፆም የፀምልዉ እዮም እሞ፥ ክትፆሙ እንተለኹም፥ ከምኣቶም ገፅኩም ኣይተፀምልዉ። ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ንስኻ ግና ኽትፀውም እንተለኻ፥ እቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ እምበር፥ ከም እትፀውም ሰብ ከይፈልጥ ርእስኻ ተቐባእ፤ ገፅካውን ተሓፀብ። እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።
Naršyti ማቴዎስ 6:16-17-18
Pradžia
Biblija
Planai
Vaizdo įrašai