1
ዘፍጥረት 22:14
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣብርሃም ከዓ ነቲ ቦታ እቱይ “እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” ኢሉ ሰመዮ። ክሳዕ ሎሚ “ኣብቲ እምባ እግዚኣብሄር፥ ከዳሉ እዩ” ይበሃል።
Palyginti
Naršyti ዘፍጥረት 22:14
2
ዘፍጥረት 22:2
እግዚኣብሄር ድማ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ሒዝካ፥ ናብ ምድሪ ሞሪያ ኺድ፤ ኣብኣ ድማ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ እምባታት ኣብ ሓደ፥ መስዋእቲ ጌርካ ሰውአለይ” በሎ።
Naršyti ዘፍጥረት 22:2
3
ዘፍጥረት 22:12
ንሱ ድማ “ንወድኻ፥ ነዝ ሓደ ወድኻ እኳ ኻብ ዘየናሕሰኻሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርሕ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ እዝ መንእሰይ ከይትዝርግሕ፤ ጕድኣትውን ከይተብፅሐሉ” በሎ።
Naršyti ዘፍጥረት 22:12
4
ዘፍጥረት 22:8
ኣብርሃም ከዓ “ወደይ፥ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕስ እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ፤ ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ።
Naršyti ዘፍጥረት 22:8
5
ዘፍጥረት 22:17-18
ፈፂመ ኽባርኸካ እየ፤ ንዘርእኻ ድማ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይን፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን፥ ከብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ኣፍ ደገ ፀላእቶም ክወርሱ እዮም። ቃለይ ስለ ዝሰማዕኻ ድማ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ።
Naršyti ዘፍጥረት 22:17-18
6
ዘፍጥረት 22:1
ድሕሪዙይ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ፈተኖ፦ “ኣብርሃም” ኢሉውን ፀውዖ። ኣብርሃም ከዓ “እኒሀኹ” በለ።
Naršyti ዘፍጥረት 22:1
7
ዘፍጥረት 22:11
መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ሰማይ “ኣብርሃም! ኣብርሃም!” እናበለ ፀውዖ። ኣብርሃምውን “እኒሀኹ” በለ።
Naršyti ዘፍጥረት 22:11
8
ዘፍጥረት 22:15-16
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኻልኣይ ጊዜ ኻብ ሰማይ ንኣብርሃም ፀውዖ። “ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ንወድኻ፥ ነቲ ሓደ ወድኻ እኳ ስለ ዘይከላእኻኒ፥
Naršyti ዘፍጥረት 22:15-16
9
ዘፍጥረት 22:9
ኣብርሃምን ወዱን ድማ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝሓበረሉ ቦታ በፅሑ፤ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐ፤ ዕንፀይቲ ኸዓ ፀፍፀፈሉ። ንወዱ ይስሓቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይቲ ኣጋደሞ።
Naršyti ዘፍጥረት 22:9
Pradžia
Biblija
Planai
Vaizdo įrašai