1
2ይ ተሰሎንቄ 2:3
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣቐዲሙ ኽሕደት እንተይመፀ፥ እቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ዝኾነ፥ ናይ ጥፍኣት ሰብ እንተይተገልፀ፥ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኣይትመፅእን እያ እሞ፥ ሓደኳ ብዝኾነ መንገዲ ኣየስሕትኩም።
Palyginti
Naršyti 2ይ ተሰሎንቄ 2:3
2
2ይ ተሰሎንቄ 2:13
ኣቱም ጐይታ ዘፍቅረኩም ኣሕዋትና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐዲስኩምን፥ ነቲ ሓቂ ኣሚንኩምን፥ ምእንቲ ኽትድሕኑ፥ ካብ መጀመርታ ስለ ዝሓረየኩም፥ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ክነመስግኖ፥ ግቡእና እዩ።
Naršyti 2ይ ተሰሎንቄ 2:13
3
2ይ ተሰሎንቄ 2:4
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ኢሉ ብምእዋጅ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝቕመጥ፥ ኣምላኽ ካብ ዝተብሃለ ዅሉ፥ ሰባት ካብ ዘምልኽዎ ዅሉ፥ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል ተቓዋሚ፥ ንሱ እዩ።
Naršyti 2ይ ተሰሎንቄ 2:4
4
2ይ ተሰሎንቄ 2:16-17
ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥ ንልብኹም የፀናንዕ፤ ብሰናይ ግብርን ቃልን ከዓ የበርትዕኹም።
Naršyti 2ይ ተሰሎንቄ 2:16-17
5
2ይ ተሰሎንቄ 2:11
ስለዙይውን ንሓሰት ምእንቲ ኽኣምኑ፥ እግዚኣብሄር ዘስሕት መንፈስ ይሰደሎም።
Naršyti 2ይ ተሰሎንቄ 2:11
6
2ይ ተሰሎንቄ 2:9-10
ናይቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ምምፃእ፥ በቲ ዅሉ ሰይጣን ዝሰርሖ፥ ብሓይልን፥ መስሓቲ ምልክትን፥ ዘደንቕ ነገራትን፥ ብምግባር ክኸውን እዩ። ከምኡውን ነቶም ዝጠፍኡ ዘስሕተሉ፥ ኵሉ ተንኰልን ክፍኣትን ኣለዎ። እቶም ዝጠፍኡ ኸዓ፥ ነቲ ኸድሕኖም ዝኽእል ሓቂ፥ ፈትዮም ስለ ዘይተቐበሉ እዩ።
Naršyti 2ይ ተሰሎንቄ 2:9-10
7
2ይ ተሰሎንቄ 2:7
እቲ ናይ ዓመፅ ምስጢር፥ ድሮ እኳ ይሰርሕ ኣሎ፤ እንተ ኾነ እቲ ኸልኪልዎ ዘሎ፥ ንሱ ኻብ መንገዱ ኽሳዕ ዘግልስ፥ ኣይግለፅን እዩ።
Naršyti 2ይ ተሰሎንቄ 2:7
Pradžia
Biblija
Planai
Vaizdo įrašai