1
ሮሜ 4:20-21
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ግና ብእምነቱ እናበርትዐ ደኣ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃበ እምበር፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን። ነቲ ዝሃቦ ተስፋ፥ እግዚኣብሄር ክፍፅሞ ኸም ዝኽእል፥ ኣፀቢቑ ተረዲኡ ነበረ።
比較
ሮሜ 4:20-21で検索
2
ሮሜ 4:17
እዙይ ድማ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ እየ” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዘሎ እዩ። ተስፋ ንኣብርሃም ዝተውሃቦ፥ ንሱ ንዝሞቱ ህይወት ብዝህብ፥ ንዘየለዉውን ናብ ህልውና ብዝፅውዕ እግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነ እዩ።
ሮሜ 4:17で検索
3
ሮሜ 4:25
ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ዝኾነ፥ ንኣና ንኸፅድቕውን ካብ ሞት ተስአ።
ሮሜ 4:25で検索
4
ሮሜ 4:18
“ዘርእኻ ኸምኡ ክኸውን እዩ” ዝብል ዝተነግሮ ኣብርሃም፥ ኣብቲ ተስፋ ዘይነበሮ ተስፋ ብምግባር፥ ኣቦ ብዙሓት ከም ዝኸውን ኣመነ።
ሮሜ 4:18で検索
5
ሮሜ 4:16
እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፤ ስለዙይ ኵሎም ዘርኢ ኣብርሃም፥ ነዛ ተስፋ እዚኣ፥ ብፀጋ ኽወርሱዋ እዮም። እዙይ ከዓ፥ ፈፀምቲ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮኑስ፥ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዝፀድቁውን እዮም፤ ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅልና እዩ እሞ።
ሮሜ 4:16で検索
6
ሮሜ 4:7-8
“እቶም በደሎም ይቕረ ዝተብሃለሎም፥ ሓጢኣቶምውን ዝተሓደገሎም፥ ብፁኣን እዮም። እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ ዘይቘፅረሉ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።”
ሮሜ 4:7-8で検索
7
ሮሜ 4:3
መፅሓፍከ እንታይ ይብል? “ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑ ድማ ተቘፀረሉ” ይብል።
ሮሜ 4:3で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ