1
ሮሜ 2:3-4
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣታ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ እትፈርድ፥ ባዕልኻውን ከምቲ ግብሮም እትገብር ሰብ፥ ካብ ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ እተምልጥዶ ይመስለካ? ወይ ከዓ ብዝሒ ሕያዋይነቱን ትዕግስቱን ዓቕሉንዶ፥ ትንዕቕ ኣለኻ? ሕያዋይነት እግዚኣብሄር፥ ናብ ንስሃ ኽመርሐካ ኸም ዝኽእል፥ ኣይትፈልጥን ዲኻ?
比較
ሮሜ 2:3-4で検索
2
ሮሜ 2:1
ስለዙይ ኣታ ንኻልእ እትፈርድ ሰብ፥ እተመኽንዮ የብልካን፤ በቲ ዅሉ ንኻልእ እትፈርደሉ ነገር፥ ንባዕልኻ ትዅንን ኣለኻ፤ ነቲ ፈራዲ ዝኾንካሉ፥ ንስኻውን ንእኡ ትገብሮ ኣለኻሞ።
ሮሜ 2:1で検索
3
ሮሜ 2:11
እግዚኣብሄር፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ።
ሮሜ 2:11で検索
4
ሮሜ 2:13
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ገበርቲ ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዮም ዝፀድቁ እምበር፥ ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝፀድቁ።
ሮሜ 2:13で検索
5
ሮሜ 2:6
እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ፥ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ እሞ።
ሮሜ 2:6で検索
6
ሮሜ 2:8
ነቶም ንዓመፃ እምበር፥ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና፥ ቍጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ።
ሮሜ 2:8で検索
7
ሮሜ 2:5
ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ።
ሮሜ 2:5で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ