1
ማርቆስ 5:34
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንሱ ኸዓ “ጓለይ፥ እምነትኪ እያ ዘሕወየትኪ፤ ብሰላም ኪዲ፤ ካብ ሕማምኪውን ሕወዪ!” በላ።
比較
ማርቆስ 5:34で検索
2
ማርቆስ 5:25-26
እንሆ ኸዓ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ፥ ደም ዝፈስሳ ሰበይቲ ነበረት። ናብ ብዙሓት ሓኻይም ብምኻድ ብዙሕ ተሳቐየት፤ ኵሉ ገንዘባውን ወድአት፤ እንተ ኾነ ገደዳ ደኣ እምበር ኣይጠቐማን።
ማርቆስ 5:25-26で検索
3
ማርቆስ 5:29
እቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደማ ኸዓ፥ ብቕፅበት ቆመ፤ ካብ ሕማማ ኸም ዝሓወየትውን ተፈለጣ።
ማርቆስ 5:29で検索
4
ማርቆስ 5:41
ነታ ቘልዓ ብኢዳ ሒዙ ኸዓ “ጣሊታ ቑሚ!” በላ። ትርጕሙ ኸዓ “ኣቲ ጓል፥ ተስኢ እብለኪ ኣለኹ” ማለት እዩ።
ማርቆስ 5:41で検索
5
ማርቆስ 5:35-36
ኢየሱስ ገና እዙይ ኽዛረብ እንተሎ፥ ካብቲ ገዛ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሰባት መፂኦም፥ “ጓልካ ሞይታ እያ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ንመምህር እተድክሞ?” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ እቲ ዝተዛረብዎ ሰሚዑ ነቲ ሓለቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣይትፍራሕ፤ እመን ደኣ” በሎ።
ማርቆስ 5:35-36で検索
6
ማርቆስ 5:8-9
እዙይ ዝበለ ኸዓ ኢየሱስ “ኣታ ርኹስ መንፈስ፥ ካብዝ ሰብ እዙይ ውፃእ” ኢልዎ ስለ ዝነበረ እዩ። ኢየሱስ ከዓ “ስምካ መን እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ጋኔን ድማ “ብዙሓት ኢናሞ ስመይ ‘ሌጌዎን’ እዩ” ኢሉ መለሰ።
ማርቆስ 5:8-9で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ