1
ማርቆስ 13:13
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ምእንቲ ስመይ ብዅሉ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም፤ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።”
比較
ማርቆስ 13:13で検索
2
ማርቆስ 13:33
ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ ተጠንቀቑ! ንቕሑን፥ ፀልዩን።
ማርቆስ 13:33で検索
3
ማርቆስ 13:11
ኣሕሊፎም ንኽህቡኹም ክወስዱኹም እንተለዉ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እንታይከ ኽንዛረብ ኢና? ኢልኩም ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ። ሽዑ ዝውሃበኩም ተዛረቡ፤ እትዛረቡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን፥ መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር።
ማርቆስ 13:11で検索
4
ማርቆስ 13:31
ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
ማርቆስ 13:31で検索
5
ማርቆስ 13:32
“ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ እንትርፊ ኣብ፥ መላእኽቲ ሰማይ ኮኑ ወይ ወልድ ሓደኳ ዝፈልጣ የለን።
ማርቆስ 13:32で検索
6
ማርቆስ 13:7
ውግእን ወረ ውግእን ምስ ሰማዕኹም ኣይትሸበሩ፤ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ፤ ግና መወዳእታኡ ገና እዩ።
ማርቆስ 13:7で検索
7
ማርቆስ 13:35-36-37
እቲ በዓል ገዛ፥ ምሸት ወይ ፍርቂ ለይቲ ወይ ደርሆ ነቆ ወይ ንግሆ፥ መአዝ ኸም ዝመፅእ ስለ ዘይትፈልጡ፥ ድንገት መፂኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምስ ‘ንቕሑ’። እዝ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፥ ንዅሉ እየ ዝብሎ ዘለኹ፤ ‘ንቕሑ’ ”።
ማርቆስ 13:35-36-37で検索
8
ማርቆስ 13:8
ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ፥ ክለዓል እዩ፤ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ጥሜትን ክኸውን እዩ፤ እዝ ነገራት እዙይ፥ ናይቲ ቕልውላው መጀመርታ እዩ።”
ማርቆስ 13:8で検索
9
ማርቆስ 13:10
ኣቐዲሙ ግና ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ክስበኽ ግድን እዩ።
ማርቆስ 13:10で検索
10
ማርቆስ 13:6
ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓት ከዓ ኸስሕቱ እዮም።
ማርቆስ 13:6で検索
11
ማርቆስ 13:9
“ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኣይ ምኽንያት ንፍርዲ ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎቶምውን ክገርፉኹም፥ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከዓ፥ ደው ከብሉኹም እዮም እሞ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
ማርቆስ 13:9で検索
12
ማርቆስ 13:22
ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም እሞ፤ እንተ ተኽኢልዎምስ ነቶም ሕሩያትውን፥ ከስሕቱ ምልክትን ዘደንቑ ነገራትን ክገብሩ እዮም።
ማርቆስ 13:22で検索
13
ማርቆስ 13:24-25
“እንተ ኾነ በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ድሕሪ እዝ መከራ እዙይ፥ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፤ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይትህብን እያ። ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ክወድቁ፥ ሓይልታት ሰማያትውን ክናወፁ እዮም።
ማርቆስ 13:24-25で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ