1
ዮሃንስ 13:34-35
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንስንሳትኩም ምእንቲ ኽትፋቐሩ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ንስንሳትኩም ፍቕሪ እንተ ሃልዩኩም፥ ደቀ መዛሙርተይ ከም ዝኾንኩም፥ በዙይ ኵሉ ኽፈልጥ እዩ።”
比較
ዮሃንስ 13:34-35で検索
2
ዮሃንስ 13:14-15
እምበኣር ኣነ ጐይታኹምን መምህርኩምን እንተለኹ፥ ኣእጋርኩም ካብ ሓፀብኩ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ፥ ኣእጋር ብፆትኩም ክትሓፅቡ ይግብአኩም እዩ። ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝገበርክዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ፥ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ።
ዮሃንስ 13:14-15で検索
3
ዮሃንስ 13:7
ኢየሱስ ድማ መሊሱ “ነዝ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ፥ ንስኻ ሕዚ ኣይትፈልጦን ኢኻ፤ ደሓር ግና ኽትፈልጦ ኢኻ” በሎ።
ዮሃንስ 13:7で検索
4
ዮሃንስ 13:16
ሓሽከር ካብ ጐይታኡ፥ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኸም ዘይበልፅ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ዮሃንስ 13:16で検索
5
ዮሃንስ 13:17
እምበኣር ነዙይ እንተ ፈሊጥኩምዎ እሞ፥ እንተ ጌርኩምዎ ብፁኣን ኢኹም።
ዮሃንስ 13:17で検索
6
ዮሃንስ 13:4-5
ካብ ድራር ተሲኡ፥ ክዳውንቱ ኣንበረ፤ ዕጣቕ ኣልዒሉውን ተዓጠቐ። ሽዑ ማይ ናብ መሕፀቢ ገይሩ፥ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኽሓፅብን፥ በቲ ዝተዓጠቖ ዕጣቕ ገይሩ ኽውልውልን ጀመረ።
ዮሃንስ 13:4-5で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ