1
ዘፍጥረት 24:12
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ቀፂሉ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ ሎሚ ኣስምረለይ እሞ ንጐይታይ ኣብርሃም ምሕረትካ ግበር።
比較
ዘፍጥረት 24:12で検索
2
ዘፍጥረት 24:14
እንሆ ኸዓ፥ ‘ማይ ክሰቲ፥ በይዛኺ ንዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ’ ዝብላ፥ ንሳ ኸዓ ‘ስተ፥ ነግማልካውን ከስትየን እየ’ እትብለኒ ጓል፥ ንሳ ንይስሓቅ ባርያኻ ዝመረፅካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገበርካሉ ኸዓ በዙይ ክፈልጥ እየ” በለ።
ዘፍጥረት 24:14で検索
3
ዘፍጥረት 24:67
ይስሓቅ ከዓ ናብ ድንኳን እኖኡ ሳራ ኣእተዋ። ሰበይቱውን ኮነት፤ ፈተዋውን። ይስሓቅ ድማ፥ እንሆ፥ ድሕሪ ሞት እኖኡ ተፀናንዐ።
ዘፍጥረት 24:67で検索
4
ዘፍጥረት 24:60
ንሳቶም ድማ ንርብቃ፦ “ኣቲ ሓፍትና፥ እልፊ ኣእላፋት ፍረዪ፤ ዘርእኺ ድማ ደገ ፀላእቶም ይውረሱ” እናበሉ መረቕዋ።
ዘፍጥረት 24:60で検索
5
ዘፍጥረት 24:3-4
ካብ ኣጓላት እዞም ኣነ ኣብ ማእኸሎም ዝነብር ዘለኹ ከነዓናውያን፥ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኸይተምፅአሉ፥ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን፥ ኣምላኽ ምድርን ኣምሕለካ ኣለኹ። ናብ ሃገረይን ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኣምፅአሉ” በሎ።
ዘፍጥረት 24:3-4で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ