1
ዘፀኣት 6:6
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።
比較
ዘፀኣት 6:6で検索
2
ዘፀኣት 6:7
ህዝበይ ክትኮኑ ኽወስደኩም እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ። ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ኣርዑት ግብፃውያን ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።
ዘፀኣት 6:7で検索
3
ዘፀኣት 6:8-9
ናብታ ኢደይ ኣልዒለ፥ ‘ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ኸእትወኩም እየ፤ ርስቲ ኽትኮነኩም ከዓ ኽህበኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ድማ በሎ። ሙሴ ኸዓ፥ ንደቂ እስራኤል እዝ ዅሉ ነገሮም። ንሳቶም ግና ካብ ጭንቂ ህይወቶምን ካብ ክብደት ስራሕን ዝተልዓለ ኣይሰምዕዎን።
ዘፀኣት 6:8-9で検索
4
ዘፀኣት 6:1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝገብሮ፥ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ክሰዶም እዩ። እወ፥ ብሓያል ኢድ ካብ ምድሩ ኣውፂኡ ኽሰጎም እዩ” በሎ።
ዘፀኣት 6:1で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ