1
ዘፀኣት 34:6-7
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እግዚኣብሄርውን ብቕድሚኡ ሓሊፉ “እግዚኣብሄር፥ እግዚኣብሄር፥ መሓሪ፥ ለጋስ፥ ዓቃል፥ ሕያዋይነቱን ሓቁን ዝበዝሐ፥ ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ሕያዋይነቱ ዝሕሉ፥ ዓመፅን ምጥሓስን ሓጢኣትን ይቕረ ዝብል፥ ንበዳሊ ግና ኸም ንፁህ ዘይርኢ፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቅን ኣብ ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ” እናበለ ኣወጀ።
比較
ዘፀኣት 34:6-7で検索
2
ዘፀኣት 34:14
“እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገዱ።
ዘፀኣት 34:14で検索
3
ዘፀኣት 34:10
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኺዳን እኣቱ ኣለኹ፤ ንእኡ ዝመስል ኣብ ኵላ ምድሪ ወይ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ተገይሩ ዘይፈልጥ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ። እቲ ኣነ ምሳኻ ዝገብሮ ነገር ድማ ዘፍርሕ እዩ እሞ፥ ኵሉ እቲ ንስኻ ኣብ ማእኸሉ ዘለኻ ህዝቢ፥ ግብረይ ግብሪ እግዚኣብሄር ክርኢ እዩ።
ዘፀኣት 34:10で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ