1
ዘፀኣት 12:12-13
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
“በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብፂ ኽሓልፍ እየ፤ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኽቐትል እየ። ንዅሎም ኣማልኽቲ ግብፂ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እቲ ደም ኣበየንአን ኣባይቲ ኸም ዘለኹም ምልክት ክኾነኩም እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ደም ምስ ረአኹ ኽሓልፈኩም እየ። ንምድሪ ግብፂ ኽወቕዓ እንተለኹ ድማ፥ እቲ ዝቐትል መዓት ኣይነኽአኩምን እዩ።
比較
ዘፀኣት 12:12-13で検索
2
ዘፀኣት 12:14
ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።
ዘፀኣት 12:14で検索
3
ዘፀኣት 12:26-27
ደቅኹም ‘እዝ ስርዓት እዙይ እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኹም፥ ‘እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል እንተሎ፥ ኣብ ግብፂ ንኣባይቲ ደቂ እስራኤል ስለ ዝሓለፈ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝውፈ መስዋእቲ ፋሲካ እዩ’ በልዎም” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ንእግዚኣብሄር ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
ዘፀኣት 12:26-27で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ