1
ግብሪ ሃዋርያት 11:26
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ምስ ረኸቦ ናብ ኣንፆኪያ ኣምፅኦ፤ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ዓመት ምሉእ ሓቢሮም ነበሩ፤ ንብዙሕ ህዝቢ እውን መሃሩ፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ድማ ንፈለማ ጊዜ፥ ኣብ ኣንፆኪያ ክርስቲያን ተብሂሎም ተፀውዑ።
比較
ግብሪ ሃዋርያት 11:26で検索
2
ግብሪ ሃዋርያት 11:23-24
ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም። ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብ ነበረሞ፤ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ናብ ጐይታ ተመለሰ።
ግብሪ ሃዋርያት 11:23-24で検索
3
ግብሪ ሃዋርያት 11:17-18
እምበኣር ከምቲ ንኣና ብጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣመንና ዝሃበና፥ ኣምላኽ ማዕረና ገይሩ ውህብቶ ኻብ ሃቦም፥ ንእግዚኣብሄር ክኽልክሎ ዝኽእል ኣነ መን እየ!” በለ። ነዙይ ምስ ሰምዑ ስቕ በሉሞ፥ “እምበኣርከስ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ድማ፥ ንህይወት ዝኸውን ንስሃ ሂብዎም ኣሎ” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
ግብሪ ሃዋርያት 11:17-18で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ