1
2ይ ቆሮንቶስ 1:3-4
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እቲ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምፅንናዕን ዝኾነ፥ ናይ ጐይታና ኢየሱሱ ክርስቶስ ኣምላኽን ኣቦን እግዚኣብሄር ይባረኽ። በቲ ንባዕልትና ኻብ እግዚኣብሄር እንፀናንዐሉ ምፅንናዕ፥ ነቶም ኣብ መከራ ዘለዉ ዅላቶም ክነፀናንዕ ምእንቲ ኽከኣለና፥ ብመከራና ዅሉ ዘፀናንዐና ንሱ እዩ።
比較
2ይ ቆሮንቶስ 1:3-4で検索
2
2ይ ቆሮንቶስ 1:5
ከምቲ ናይ ክርስቶስ መከራ ኣባና ዝበዝሕ፥ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ምፅንናዕና ኽበዝሕ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 1:5で検索
3
2ይ ቆሮንቶስ 1:9
እወ፥ ንምዉታት ብዘተስእ እግዚኣብሄር እምበር፥ ብርእስና ምእንቲ ኸይንተኣማመን፥ ንሕና ባዕልትና ሞት ከም ዝተፈረደና፥ ኣብ ውሽጥና ይስመዐና ነይሩ።
2ይ ቆሮንቶስ 1:9で検索
4
2ይ ቆሮንቶስ 1:21-22
እቲ ንኣና ምሳኻትኩም ብክርስቶስ ዘፅንዐናን፥ ዝቐብአናን እግዚኣብሄር እዩ። ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን፥ መፈለጥታ ዝገበረልናን፥ ኣብ ልብናውን መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበናን፥ እግዚኣብሄር እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 1:21-22で検索
5
2ይ ቆሮንቶስ 1:6
ንሕና መከራ እንተ ተቐበልና፥ ምእንቲ ምፅንናዕኹምን ምድሓንኩምን እዩ፤ ንሕና እንተ ተፀናኒዕና ድማ፥ ንሕና እንቕበሎ ዓይነት መከራ እንትትቅበሉ፥ ብትዕግስቲ ብምቕባል፥ ፀኒዕኹም ምእንቲ ኽትፀናንዑ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 1:6で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ