Logo YouVersion
Îcone de recherche

ሕዝቅኤል 15

15
ምሳሌ ተኽሊ ወይኒ
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኦም ወይኒ እቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ሓረግስ፥ ብምንታይ እዩ ኻብቶም ካልኦት ኣእዋም ዝበልፅ? 3ብእኡ ስራሕ ክሰርሑ፥ ካብኡዶ ዕንፀይቲ ይወስዱ እዮም? ኣቕሓ ኽሰቕሉሉኸ ፀዋሪትዶ ኻብኡ ይወስዱ እዮም?
4እንሆ ምእንቲ ሞዅ ክብል ናብ ሓዊ ይድርበ፥ እቲ ሓዊ ኸዓ ንኽልቲኡ ጨንፈሩ ይበልዖ፤ እቲ ማእኸሉውን ይሓርር፤ ንዝኾነ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ? 5እንሆ፥ ብዳሕናኡ እንተሎ እኳ ንስራሕ ዘይጠቐመስ፥ ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ፥ ከመይ ኢሉ ዝኾነ ስራሕ ክስርሖ ይከአል?”
6ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር፥ ብሓዊ ሞዅ ክብል ዝወፈኽዎ ኦም ወይኒ፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኸዓ፥ ከምኡ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። 7ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እየ፤ ካብ ሓዊ ወፁ፤ ግናኸ ሓዊ ኽበልዖም እዩ፤ ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እንተለኹ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 8ስለ ዝጠለሙ፥ ነታ ምድሪ ኸባድማ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”

Sélection en cours:

ሕዝቅኤል 15: ትመ15

Surbrillance

Partager

Copier

None

Tu souhaites voir tes moments forts enregistrés sur tous tes appareils? Inscris-toi ou connecte-toi