1
ሮሜ 12:2
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እቲ ሰናይን ዘሐጕስን ፍፁምን ዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ ነዝ ዓለም እዙይ ኣይትምሰሉ።
Comparer
Explorer ሮሜ 12:2
2
ሮሜ 12:1
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
Explorer ሮሜ 12:1
3
ሮሜ 12:12
ብተስፋ ተሓጐሱ፤ ብመከራ ተዓገሱ፤ ብፀሎት ፅንዑ።
Explorer ሮሜ 12:12
4
ሮሜ 12:21
ነቲ ኽፉእ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ሰዓሮ እምበር፥ ብኽፉእ ኣይትሰዓር።
Explorer ሮሜ 12:21
5
ሮሜ 12:10
ኣብ ንስንሳትኩም፥ ልባዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ።
Explorer ሮሜ 12:10
6
ሮሜ 12:9
ግብዝና ዘይብሉ ፍቕሪ ይሃልኹም። ንኽፍኣት ተፀየፍዎ፤ ንሰናይ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።
Explorer ሮሜ 12:9
7
ሮሜ 12:18
ብወገንኩም፥ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ፥ ዝከኣለኩም ግበሩ።
Explorer ሮሜ 12:18
8
ሮሜ 12:19
ፍቑራተይ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፥ ‘ኣነ ኽፈድዮ እየ’ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኽፈድዮ ሕደጉሉ እምበር፥ ባዕልኻትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
Explorer ሮሜ 12:19
9
ሮሜ 12:11
ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣይትተሃከዩ፤ ብመንፈስ ዝተቓፀልኩም ኩኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ፤
Explorer ሮሜ 12:11
10
ሮሜ 12:3
ከምቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መጠን እምነት ገይሩ ደኣ፥ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፥ ካብቲ ዝግብኦ ኣብሊፁ ኸይሓስብስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእኸልኩም ንዘሎ፥ ብዝተውሃበኒ ፀጋ እምዕዶ ኣለኹ።
Explorer ሮሜ 12:3
11
ሮሜ 12:17
ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ቅኑዕ ዝኾነ ደኣ ሕሰቡ እምበር፥ ንሓደኳ ኽፉእ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ።
Explorer ሮሜ 12:17
12
ሮሜ 12:16
ንስንሳትኩም ብሓደ ሓሳብ ተስማምዑ፤ ናይ ትዕቢት ነገር ኣይትሕሰቡ፤ ግና ናይ ትሕትና ነገራት ንምስራሕ ትግሁ፤ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትሕሰቡ።
Explorer ሮሜ 12:16
13
ሮሜ 12:20
ግና “ፀላኢኻ እንተ ጠመየ፥ ኣብልዓዮ፤ እንተ ፀምአውን፥ ኣስትዮ። እዙይ ብምግባርካ፥ ጓህሪ ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ።”
Explorer ሮሜ 12:20
14
ሮሜ 12:14-15
ንዘሳጕጉኹም መርቑ፤ መርቑ እምበር ኣይትርገሙ። ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ።
Explorer ሮሜ 12:14-15
15
ሮሜ 12:13
ብዘድልዮም ንቅዱሳን ሓግዙ፤ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።
Explorer ሮሜ 12:13
16
ሮሜ 12:4-5
ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘለና፥ እቶም ኣካላት ድማ ተግባሮም ሓደ ዘይኮነ፥ ከምኡውን ንሕና ብዙሓት እንትንከውን፥ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት ኢና። ነፍሲ ወከፍና ድማ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኢና።
Explorer ሮሜ 12:4-5
Accueil
Bible
Plans
Vidéos