1
2ይ ቆሮንቶስ 5:17
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።
Comparer
Explorer 2ይ ቆሮንቶስ 5:17
2
2ይ ቆሮንቶስ 5:21
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
Explorer 2ይ ቆሮንቶስ 5:21
3
2ይ ቆሮንቶስ 5:7
ብእምነት እምበር፥ ብምርኣይ ኣይኮንናን እንነብር ዘለናሞ።
Explorer 2ይ ቆሮንቶስ 5:7
4
2ይ ቆሮንቶስ 5:18-19
እዝ ዅሉውን፥ ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ ገይሩ ዝተዓረቐና፥ ኣገልግሎት ዕርቂ እውን ካብ ዝሃበና፥ እግዚኣብሄር እዩ። እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ገይሩ፥ ንዓለም ምስ ባዕሉ ኽዓርቕ እንተሎ፥ በደሎም ኣይቈፀረሎምን፤ ኣባናውን ቃል ዕርቂ ኣንበረ።
Explorer 2ይ ቆሮንቶስ 5:18-19
5
2ይ ቆሮንቶስ 5:20
ስለዙይ ንሕና ናይ ክርስቶስ መልእኽተኛታት ኢና፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ። ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ድማ “ምስ እግዚኣብሄር ተዓረቑ” እናበልና፥ ክንዲ ክርስቶስ ንልምነኩም ኣለና።
Explorer 2ይ ቆሮንቶስ 5:20
6
2ይ ቆሮንቶስ 5:15-16
እቶም ብህይወት ዝነብሩ፥ ነቲ ምእንትኣቶም ዝሞተን ዝተስአን እምበር፥ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ክርስቶስ ምእንቲ ዅላቶም ሞተ። እምበኣር፥ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብስጋዊ መንገዲ፥ ንሓደኳ ኣይንፈልጥን ኢና። ንክርስቶስ ብስጋዊ መንገዲ ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና እኳ፥ ሕዚ ግና ኸምኡ ኣይንፈልጦን ኢና።
Explorer 2ይ ቆሮንቶስ 5:15-16
7
2ይ ቆሮንቶስ 5:14
ሓደ፥ ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ፥ ኵላቶም ከዓ ተኻፈልቲ ሞቱ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝተረዳእና፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ግዲ ይብለና እዩ እሞ።
Explorer 2ይ ቆሮንቶስ 5:14
Accueil
Bible
Plans
Vidéos