YouVersion Logo
Search Icon

ዘካርያስ 2

2
ዘካርያስ ብምስሊ መለክዒ ገመድ ዝረአዮ ራእይ
1መሊሰ ናብ ላዕሊ ጠመትኩ፤ እንሆ፥ ኣብ ኢዱ መለክዒ ገመድ ዝሓዘ ሰብኣይ ረአኹ። 2ኣነ ኸዓ “ናበይ ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ?” ኢለ ጠየቕክዎ። ንሱ ድማ “ንውሓትን ስፍሓትን ኢየሩሳሌም ክንደይ ከም ዝኾነ ኽልክዕ፥ እኸይድ ኣለኹ” በለኒ።
3እንሆ ኸዓ፥ እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወፀ፤ ካልእ መልኣኽ ድማ ኽራኸቦ ወፀ። 4ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ጕየ፥ ነቲ ጐበዝ፥ ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ውሽጣ ኻብ ዘሎ ብዝሒ ሰብን ከፍትን ዝተልዓለ፥ ቅፅሪ ኸም ዘይብላ ኸተማ ኽትከውን እያ። 5‘ኣነ ኣብ ዙርያኣ ቅፅሪ ሓዊ ክኾነላ፤ ኣብ ውሽጣውን ክብሪ ክኸውን እየ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
ስዱዳት ናብ ኢየሩሳሌም ክምለሱ ዝተገብረ መፀዋዕታ
6“ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ በቲነኩም እየሞ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሕዚ ግና ተስኡ! ተስኡ! ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ” ይብል እግዚኣብሄር። 7ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን እትነብሪ ፅዮን ኮብልሊ። 8ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ድሕሪ ኽብሩ ናብቶም ዝዘመትኹም ኣህዛብ ልኢኹኒ እዩ፤ ዝነኽአኩም ብሌን ዓይኑ ዝነክእ እዩሞ።” 9“እንሆ ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ኢደይ ከልዕል እየ፤ ግዙኣቶም ዝነበሩ ኸዓ ኽዘምትዎም እዮም፤ ሽዑ ንስኻትኩምውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም።”
10“ኦ ጓል ፅዮን፥ ኣነ መፂአ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየሞ፥ ዕልል በሊ ዘምሪ ደስውን ይበልኪ” ይብል እግዚኣብሄር።
11በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ክመፁ፥ ህዝቢ እውን ክኾኑኒ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየ፤ ንስኺውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኺ ኸም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ። 12እግዚኣብሄር ኣብታ ቕድስቲ ምድሪ፥ ንይሁዳ ኸም ግደኡ ክወርሳ፥ ንኢየሩሳሌም ከዓ መሊሱ ኽሓርያ እዩ።
13እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተሲኡ እዩ እሞ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣብ ቅድሚኡ ፀጥ ይበል።

Currently Selected:

ዘካርያስ 2: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in