YouVersion Logo
Search Icon

ዘካርያስ 1

1
እግዚኣብሄር ናብኡ ኽምለሱ ንህዝቡ ኸም ዝፀውዖም
1 # እዝራ 4፡24—5፡1፥ 6፡14። ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ በታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ናብ ወዲ ኣዶ፥ ወዲ በራክዩ ነቢይ ዘካርያስ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ። 2ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ኣቦታትኩም የመና ተቘጢዑ ነበረ፤ 3ስለዙይ ከምዙይ በሎም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ናባይ ተመለሱ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ “ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 4ቀዳሞት ነቢያት ነቦታትኩም ከምዙይ ኢሎም ሰቢኾም እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ካብ ክፉእ መንገድኹምን ካብ ክፉእ ግብርኹምን ተመለሱ” በልዎም። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ንኣይውን ኣይሰምዑንን፤ ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 5ሕዚ ኣቦታትኩም ኣበይ ኣለዉ? ነቢያትከ ንዘለኣለምዶ ብህይወት ይነብሩ እዮም? 6ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።
ዘካርያስ ብምስሊ ኣፍራስ ዝረአዮ ራእይ
7ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፥ በታ ሰባጥ ተባሂላ እትፅዋዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ናብ ወዲ ሃዶ ወዲ በራክዩ ናብ ነቢይ ዘካርያስ መፀ። 8#ራእይ 6፡4፥ 6፡2። እንሆ፥ ኣብ ሓመር ፈረስ ዝተቀመጠ ሓደ ሰብ ብራእይ ለይቲ ረአኹ። ንሱ ድማ ትሕት ኣብ ዝበለ ቦታ፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ፀፆ ደው ኢሉ ነበረ። ብድሕሪኡውን ሓመር፥ ግራጫ፥ ፀሊም፥ ኣምበላይ ዝኾኑ ኣፍራስ ነበሩ። 9ሽዑ ኣነ “ጐይታይ፥ እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልኩ። እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑ ኸርእየካ እየ” በለኒ። 10እቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ፦ “እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ኽመላለሱ እግዚኣብሄር ዝለኣኾም እዮም” ኢሉ መለሰ።
11ንሳቶምውን ነቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ፀፆ ደው ኢሉ ዝነበረ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ኣብ ኵላ ምድሪ ተመላለስና፤ እንሆ ኸዓ ዅላ ምድሪ ሃዲኣ ብሰላም ትነብር ኣላ” ኢሎም መለሱሉ።
12ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነዘን ሰብዓ ዓመት ዝተቘጣዕኻየን ኢየሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትምሕረን?” በሎ።
13እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፥ ብፅቡቕን ብዘፀናንዕን ቃል መለሰሉ። 14እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ኸምዙይ በለኒ፦ ስበኽ፤ ከምዙይውን በል፦ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ‘ኣነ ብኢየሩሳሌምን፥ ብፅዮንን ዓቢዪ ቕንኣት ቀኒአ ኣለኹ። 15ኣነ ቑሩብ ተቘጢዐ ነበርኩ፤ ንሳቶም ግና ንኽፍኣት ስለ ዝሓገዙ፥ በቶም ሃዲኦም ዝነብሩ ኣህዛብ የመና ተቘጢዐ ኣለኹ። 16ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብምሕረት ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ ኣለኹ። ቤተይ ኣብኣ ኽስራሕ እዩ። ኢየሩሳሌም ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኽትህነፅ እያ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ መለክዒ ገመድ ክዝርጋሕ እዩ’ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኢልካ ስበኽ” በለኒ።
17እቲ መልኣኽ ከዓ ቐፂሉ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ከተማታተይ ገና ሰናይ ብዝኾነ ዅሉ ኽረውያ እየን፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኸተማ ፅዮን ገና ኸፀናንዓ እዩ፤ ንኢየሩሳሌምውን መሊሱ ኽሓርያ እዩ’ ይብል ኣሎ ኢልካውን ስበኽ” በለኒ።
ዘካርያስ ብምስሊ ኣቕርንቲ ዝረአዮ ራእይ
18ኣዒንተይ ድማ ኣልዒለ፥ እንሆ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ረአኹ። 19ኣነ ኸዓ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ “እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልክዎ።
ንሱ ድማ “እዚኣቶም ንይሁዳን ንእስራኤልን ንኢየሩሳሌምን ዝበተኑ ኣቕርንቲ እዮም” ኢሉ መለሰለይ።
20መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣርባዕተ ፀረብቲ ኣርኣየኒ። 21ኣነ ድማ “እዚኣቶም እንታይ ክገብሩ መፁ?” በልኩ። ንሱ ኸዓ “እዚኣቶም ሓደ እኳ ርእሱ ኸየልዕል፥ ንይሁዳ ዝበተኑ ኣቕርንቲ እዮም። እዚኣቶም ግና ኸፍርሕዎም፥ ንሃገር ይሁዳ ኽብትኑ ቀርኖም ንዘልዕሉ ኣህዛብውን ምእንቲ ኸውድቑ ዝመፁ እዮም” ኢሉ ተናገረኒ።

Currently Selected:

ዘካርያስ 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in