YouVersion Logo
Search Icon

ማቴዎስ መእተዊ

መእተዊ
ወንጌል ማቴዎስ፥ ኢየሱስ እቲ ኽመፅእ ተስፋ ዝተገበረሉ መድሓኒ ምዃኑን፥ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን እግዚኣብሄር ንህዝቡ ዝሃቦ ናይ ተስፋ ቓል ዝፍፀም ብእኡ ምዃኑን ዝነግር ብስራት ዝሓዘ እዩ።
እዝ ብስራት እዙይ ነቶም ኢየሱስ ኣብ ማእኸሎም ዝተወለደን ዝዓበየን ንህዝቢ ኣይሁድ ጥራሕ ዘይኮነስ ንምሉእ ዓለምውን እዩ።
ወንጌል ማቴዎስ ብጥንቃቐ ዝተፅሓፈ እዩ። ብልደት ኢየሱስ ጀሚሩ፥ ጥምቀቱን ፈተናኡን ይገልፅ። ኣስዒቡውን ኣብ ገሊላ ኽምህር ከም ዝጀመረን፥ ትምህርቱን ስብከቱን፥ ሕሙማት ብምሕዋይ ዝገበሮ ኣገልግሎቱን ይገልፅ። ብድሕ ሪዙይ፥ ኢየሱስ ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ ጕዕዞን ኣብታ ናይ መወዳእታ ሰሙን ዝተፈፀመ ኹነታትን ብዝርዝር የብርህ።
ኢየሱስ ሕጊ እግዚኣብሄር ንምትርጓም ስልጣን ዘለዎን፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝምህር፥ ዓብዪ መምህር ምዃኑውን ይገልፅ። መብዛሕትኡ ትምህርቱ በዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ኣርእስተ ነገራት ዝተጠረፈ እዩ፦
1. ብዛዕባ እቶም መንግስተ ሰማይ ዝወርሱ ጠባዮምን ግብሮምን መሰሎምን ናይ መወዳእታ ዕድሎምን ዝነግር፥ ኣብ ደብረ ዘይት ዝተውሃበ ትምህርቲ ምዕራፍ 5-7።
2. ነቶም ወንጌል ንምስባኽ ዝተልኣኹ ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ዝተውሃበ ትእዛዝ ምዕራፍ 10።
3. ምስላታት ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ምዕራፍ 13።
4. ደቀ መዝሙር ምዃን ትርጕሙ እንታይ ከም ዝኾነ ምዕራፍ 18።
5. ትምህርቲ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለምን ብዛዕባ ዝመፅእ መንግስቲ እግዚኣብሄርን ምዕራፍ 24-25 እዩ።
ትሕዝቶ
1. ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን ትውልዱን 1፡1-2፡23
2. ስብከት መጥምቕ ዮሃንስ 3፡1-12
3. ብዛዕባ ጥምቀት ኢየሱስን ፈተናኡን 3፡13-4፡11
4. ኢየሱስ ኣብ ገሊላ ንህዝቢ ዝሃቦ ትምህርቲ 4፡12-18፡35
5. ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ ጕዕዞ፥ 19፡1-20፡34
6. ኣብ ኢየሩሳሌምን ከባቢኣን ዘሕለፋ መወዳእታ ሰሙን 21፡1-27፡66
7. ጐይታ ኸም ዝተስአን ደጋጊሙ ኸም ዝተርኣየን 28፡1-20

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

YouVersion uses cookies to personalize your experience. By using our website, you accept our use of cookies as described in our Privacy Policy