ማቴዎስ 24
24
ምልክት ምፅኣትን መወዳእታ ዓለምን
(ማር. 13፡1-2፥ ሉቃ. 21፡5-6)
1 #
ዮሓ. 2፡20። ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡ እናኸደ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም ህንፃ ቤተ መቕደስ ኣርኣይዎ። 2#ሉቃ. 19፡44። ንሱ ድማ መሊሱ “እዝ ዅሉ ትሪእዎዶ ኣለኹም? ኣብዙይ፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ኸም ዘይተርፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
3 #
ግ.ሓ. 1፡6-7፥ ሉቃ. 17፡20-21። ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ናብኡ ቕርብ ኢሎም፥ “እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? ናይ ምምፃእኻን ናይ ዓለም መወዳእታን ምልክቱኸ እንታይ እዩ? እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ።
4ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ዝኾነ ሰብ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ! 5#ማቴ. 24፡23-24፥ 1 ዮሓ. 2፡18። ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓትውን ከስሕቱ እዮም። 6ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፤ ኣስተውዕሉ፤ ኣይትደንግፁ፤ እዝ ዅሉ ብርግፅ ክኸውን እዩ፤ እንተ ኾነ መወዳእታኡ ሽዑ ኣይኮነን። 7ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ፥ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ። 8እዝ ዅሉ ናይ መጀመርታ ቕልውላው እዩ። 9#ማቴ. 10፡17። በቲ እዋን እቱይ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህቡኹምን ክቐትሉኹምን እዮም፤ ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ፅሉኣት ክትኮኑ ኢኹም። 10#ማቴ. 10፡21፥ 11፡6፥ 13፡21። ሽዑ ብዙሓት እምነቶም ብምኽሓድ፥ ንስንሳቶም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡን ክፃልኡን #24፡10 ክፃልኡን፦ ግእዝ “ክቃተሉን” ይብል። እዮም። 11#ማቴ. 7፡15። ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት ክለዓሉ፥ ንብዙሓትውን ከስሕትዎም እዮም። 12ብሰንኪ ብዝሒ ኽፍኣት ከዓ፥ ካብ ብዙሓት ሰባት ፍቕሪ ኽትንኪ እያ። 13#ማቴ. 10፡22። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ። 14#ማር. 16፡15። ንዅሎም ኣህዛብ ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ እዝ ወንጌል መንግስቲ እዙይ፥ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።”
ዘስካሕክሕ መከራ
(ማር. 13፡14-23፥ ሉቃ. 21፡20-24)
15 #
ዳን. 9፡27፥ 11፡31፥ 12፡11። “እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ቅዱስ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም፥ እቲ ዘንብብ የስተውዕል። 16እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ። 17#ሉቃ. 17፡31። እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝፀንሐ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኡ ንዘሎ ኽወስድ ኣይውረድ፤ 18እቲ ኣብ ግራት ዝፀንሐ ድማ፥ ክዳኑ ኽወስድ ኢሉ ንድሕሪት ኣይመለስ። 19#ሉቃ. 23፡29። በተን መዓልቲታት እቲኣተን ንጥኑሳትን፥ ንመጥበውቲ ህፃናትን ወይለአን! 20#ኢሳ. 65፡8። ህድማኹም ብኽረምቲ ወይ ከዓ ብሰንበት ምእንቲ ኸይኸውን ፀልዩ። 21ሽዑ ኻብ መጀመርታ ዓለም ሒዙ ኽሳዕ ሎሚ ዘይኮነ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን፥ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ። 22እተን መዓልቲታት እቲኣተን እንተ ዘይሓፅራስ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣይምደሓነን ነይሩ፤ ግና እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ክሓፅራ እየን። 23ሽዑ ዝኾነ ሰብ ‘ክርስቶስ እንሆ፥ ኣብዙይ ኣሎ’ ወይ ከዓ ‘ኣብቱይ ኣሎ’ እንተበለኩም ኣይትእመኑ። 24#ማቴ. 7፡15፥ 2 ተሰ. 2፡9-11፥ 1 ዮሓ. 2፡18፥ ራእይ 13፡13፥ ዮሓ. 10፡28-29። ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም፤ እንተ ተኽኢልዎምስ፥ ነቶም ሕሩያት እንተይተረፈ እኳ ንምስሓት፥ ዓብዪ ምልክታትን ዘደንቕ ነገራትን ከርእዩ እዮም።
25 #
ማር. 13፡21-23፥ ሉቃ. 17፡21-23፥ ሉቃ. 21፡8። “እንሆ ኣቐዲመ ነጊረኩም ኣለኹ፤ #2 ጴጥ. 3፡17። 26እምበኣር ‘እንሆ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣሎ’ እንተ በሉኹም፥ ናብኡ ኣይትኺዱ፤ ‘እንሆ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣሎ’ እንተ በሉኹምውን ኣይትእመኑ። 27#ራእይ 1፡7። መብረቕ ካብ ምብራቕ ወፂኡ፥ ክሳዕ ምዕራብ ከም ዝረአ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ። 28#ሉቃ. 17፡23-24፥37። ገምቢ ኣብ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ኣብኡ እዮም ዝእከቡ።”
ምፅኣት ክርስቶስ
(ማር. 13፡24-27፥ ሉቃ. 21፡25-28)
29 #
ኢሳ. 13፡10፥ 34፡4፥ ሕዝ. 32፡7፥ ኢዩ. 2፡10፥ ሶፎ. 1፡15፥ ራእይ 6፡12። “ድሕሪ መከራ ናይተን መዓልቲታት እቲኣተን ከዓ፥ ሽዑ ንሽዑ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፤ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይትህብን እያ፤ ከዋኽብቲ እውን ካብ ሰማይ ክወድቁ እዮም፤ ሓይልታት ሰማያት ድማ ኽናወፁ እዮም። 30#ማቴ. 16፡27፥ ማር. 14፡62፥ ራእይ 1፡17፥ ዳን. 7፡13። ሽዑ ኸዓ ምልክት ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ክረአ እዩ፤ እንሆ ድማ ዅሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣህዛብ፥ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን፥ ብደመና ሰማይ እንትመፅእ ምስ ረአይዎ ኽበኽዩ እዮም። 31#ዘዳ. 30፡4፥ ማቴ. 13፡41፥ 1 ቆሮ. 15፡51-52፥ 1 ተሰ. 4፡16። ንሱ ንመላእኽቱ፥ ብብርቱዕ ድምፂ መለኸት ክልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ንሕሩያቱ፥ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ክእክብዎም እዮም።”
ምስላ ኦም በለስ
(ማር. 13፡28-31፥ ሉቃ. 21፡29-33)
32 #
ሉቃ. 12፡54። “ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ፤ ጨንፈራ ምስ ለምለመ፥ ቈፅላውን ምስ ጠጥዐ፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። 33ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ነዝ ዅሉ ነገራት እዙይ ምስ ረአኹም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። 34#ማቴ. 16፡28። እዝ ኵሉ ኽሳዕ ዝፍፀም፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 35#ኢሳ. 40፡6-8፥ 51፡6። ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
ጐይታ ዝመፀላ፥ ሰዓታን ዕለታን ከም ዘይትፍለጥ
(ማር. 13፡32-37፥ ሉቃ. 17፡26-30፥34-36)
36 #
ማር. 13፡28-32፥ ሉቃ. 21፡29፥33። “ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና፥ እንትርፊ ኣብ በይኑ፥ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኾኑ ወይ ወልድ፥ #24፡36 ኣብ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክ “ወይ ወልድ” ዝብል የለን። ሓደ እኳ ዝፈልጣ የለን። #ማቴ. 25፡13፥ ግ.ሓ. 1፡7። 37ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ። 38ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ጊዜ፥ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ክበልዑን ክሰትዩን፥ ከውስቡን ክዋሰቡን ዝፀንሑ እሞ፥ 39ማይ ኣይሂ መፂኡ፥ ንዅሉ ኽሳዕ ዘጥፍእ ዘይፈለጡ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ። 40ሽዑ ኽልተ ሰባት ኣብ ሓደ ግራት ክህልዉ እዮም። እቲ ሓደ ኽውሰድ፥ እቲ ሓደ ድማ ኽሕደግ እዩ። 41#ሉቃ. 17፡26-27፥34-35። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን #24፡41 ኣብ መጥሓን፦ ግእዝ “ኣብ ሓደ መጥሓን” ይብል። ክጥሕና እየን፤ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፥ እታ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። #24፡41 ኣብ ግእዝ “ክልተ ኣብ ሓደ ዓራት ክድቅሱ እዮም። እቲ ሓደ ይውሰድ እቲ ሓደ ይሕደግ” ዝብል ይርከብ። 42#ማቴ. 25፡12፥ ማር. 13፡33። እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፅእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፥ ነቒሕኩም ሓልዉ። 43#1 ተሰ. 5፡2፥ 2 ጴጥ. 3፡10፥ ራእይ 3፡3፥ 16፡15። ግና እዙይ ደኣ ኣስተውዕሉ፤ በዓል ገዛ በየነይቲ ኽፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ፥ ሰራቒ ኸም ዝመፅእ እንተ ዝፈልጥስ፥ ነቒሑ ምሓለወ ነይሩ፤ ገዛኡ ኽትኰዓት እንተላውን፥ ስቕ ኣይምበለን ነይሩ። 44#1 ተሰ. 5፡4-6። እምበኣርከስ ንስኻትኩምውን፥ ብዘይ ሓሰብኩምዋ ሰዓት ወዲ ሰብ ክመፅእ እዩ እሞ፥ ተዳሊኹም ንበሩ።”
እሙንን ዘይእሙንን ኣገልጋሊ
(ሉቃ. 12፡41-48)
45“እቲ በብጊዜኡ ምግቦም ክህቦም ኢሉ፥ ጐይታኡ ኣብ ልዕሊ ቤተሰቡ ዝሸሞ፥ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ መን እዩ? 46እቲ ጐይታኡ ምስ መፀ፥ ከምዙይ እናገበረ ዝረኽቦ ኣገልጋሊ ብፁእ እዩ። 47#ማቴ. 25፡21። ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ኸም ዝሸሞ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 48እቲ ኽፉእ ኣገልጋሊ ግና ብልቡ ጐይታይ ክድንጕ እዩ ኢሉ፥ 49#ሉቃ. 21፡34። ነቶም ብፆቱ ኣገልገልቲ ኽወቕዖም ይጅምር፤ ምስ ሰካራማት ድማ ይበልዕን ይሰትን። 50ጐይታ እቲ ኣገልጋሊውን፥ ብዘይ ተፀበያ መዓልትን ብዘይ ፈለጣ ሰዓትን መፂኡ፥ 51#ሉቃ. 12፡39-46። ብዘሰቅቕ ሞት ይቐፅዖ፤ #24፡51 ይቐፅዖ፦ ገሊኣቶም መፃሕፍቲ “ይቘራርፆ” ይብሉ። ዕድሉ ኸዓ ምስ ግብዛት ይገብሮ፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን።” #ማቴ. 8፡22።
Currently Selected:
ማቴዎስ 24: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in