YouVersion Logo
Search Icon

ማቴዎስ 2

2
ምምፃእ ሰብኣ ሰገል
1-2 # ኢሳ. 9፡2፥ 60፡3፥ ማቴ. 27፡11፥ ዮሓ. 1፡49፥ መዝ. 72፡11። ኢየሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ ምስ ተወለደ፥ እንሆ ኻብ ሃገር ምብራቕ ዝመፁ ሰብኣ ሰገል፥ “ኮኸቡ ብምብራቕ ርኢና ኽንሰግደሉ መፂእና ኢና እሞ፥ እቲ ዝተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ናብ ኢየሩሳሌም በፅሑ።
3ንጉስ ሄሮድስ እዙይ ሰሚዑ ደንገፀ፤ ኵሎም ህዝቢ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ ደንገፁ። 4ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃነ ካህናትን መምህራን ህዝብን ኣኪቡ፥ “ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዝውለድ?” ኢሉ ጠየቖም።
5-6 # ዮሓ. 7፡42፥ ሚክ. 5፡11። ንሳቶም ከዓ “ኣቲ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ፥ ንህዝበይ እስራኤል ዝሕልዎም ንጉስ ካባኺ ኽወፅእ እዩ እሞ፥ ካብ ነገስታት ይሁዳ ኸቶ ኣይትንእስን ኢኺ ዝብል፥ ብነቢይ ተፅሒፉ ስለ ዘሎ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ እዩ” በልዎ።
7ድሕሪዙይ ሄሮድስ ንሰብኣ ሰገል ብሕቡእ ፀዊዑ፥ ካብኣቶም ድማ ዘመን እቲ ዝተርኣዮም ኮኸብ ኣፀቢቑ ተረድአ። 8ናብ ቤተ ልሔም ድማ ሰደዶምሞ፥ “ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ህፃን ብጥንቃቐ መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ ድማ ኣነ መፂአ ምእንቲ ኽሰግደሉ ንገሩኒ” በሎም።
9ንሳቶም ከዓ ኻብቲ ንጉስ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ እቲ ብምብራቕ ዝረአይዎ ኮኸብ ኣብ ልዕሊ እቲ ህፃን ዝነበራ ቦታ መፂኡ ኽሳዕ ዝቐውም #2፡9 ኣብ ግእዝ “ናብ ቤተ ልሔም” ዝብል ይርከብ። መርሖም። 10ነቲ ኮኸብ ምስ ረአይዎ፥ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሓጐሱ። 11#መዝ. 72፡10፥ ኢሳ. 60፡6። ናብ ቤት ኣትዮም፥ ነቲ ህፃን ምስ ማርያም እኖኡ ረአይዎ፤ ተደፊኦም ድማ ሰገዱሉ። ሳፁኖም ከፊቶም ከዓ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገፀ በረኸት ኣቕረቡሉ።
12ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ብሕልሚ ስለ ዘጠንቀቖም፥ ብኻልእ መንገዲ ናብ ሃገሮም ተመለሱ።
ስደት ናብ ግብፅን ቅትለት ህፃናትን
13ንሳቶም ምስ ከዱ ኸዓ፥ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርኣዮ፤ “ሄሮድስ ነዝ ህፃን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተስእ፤ ነዝ ህፃንን ንኖኡን ሒዝካ ናብ ግብፂ ህደም፤ ክሳዕ ዝነግረካ ኸዓ ኣብኡ ፅናሕ” በሎ።
14ዮሴፍ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ህፃንን ንኖኡን ሒዙ፥ ብለይቲ ናብ ግብፂ ኸደ። 15#ሆሴዕ 11፡1። እቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ “ንወደይ ካብ ግብፂ ፀዋዕኽዎ” ዝበሎ ምእንቲ ኽፍፀም ድማ፥ ሄሮድስ ክሳዕ ዝመውት ኣብኡ ፀንሐ።
16ሽዑ ሄሮድስ እቶም ሰብኣ ሰገል ከም ዘላገፁሉ ምስ ተረድአ የመና ተቘጥዐ እሞ፥ ንዅሎም ህፃናት ቤተ ልሔምን፥ ኣብ ኵሉ ኸባቢኣ ንዝነበሩ ህፃናትን፥ ካብ ሰብኣ ሰገል ጠይቑ ብዝተረድኦ ዘመን፥ ሰራዊቱ ልኢኹ፥ ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዝነበሩ ህፃናት ኣቕተለ። ሽዑ እቲ ብነቢይ ኤርሚያስ፦
17-18 # መዝ. 2፡2-4። “ኣብ ራማ ድምፅን
ብዙሕ ዋይዋይታን ብኽያትን ተሰምዐ፤
ራሄል ምእንቲ ደቃ በኸየት፤
ሞይቶም እዮም እሞ፥ ምፅንናዕ ኣበየት” ዝተብሃለ ተፈፀመ።
ሙማት ሄሮድስን ናብ ናዝሬት ምምላስን
19ሄሮድስ ምስ ሞተ፥ እንሆ ኣብ ግብፂ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርእዩ፥ 20“እቶም ንነፍሲ እዝ ህፃን ዝደልዩ፥ ሞይቶም እዮም እሞ ተስእ፤ ነዝ ህፃንን ንኖኡን ሒዝካ፥ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” በሎ። 21ንሱ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ህፃንን ንኖኡን ሒዙ፥ ናብ ምድሪ እስራኤል ተመለሰ።
22ግና ኣርኬላኦስ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ፥ ኣብ ይሁዳ ኸም ዝነገሰ ሰሚዑ፥ ናብኡ ምኻድ ፈርሐ። ብሕልሚ ምስ ተገለፀሉ ድማ፥ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ። 23#ማር. 1፡24፥ ዮሓ. 1፡45፥ ግ.ሓ. 3፡6። እቲ ብነቢያት “ናዝራዊ #2፡23 ኣብ ግእዝ “ወደይ” ዝብል ይርከብ። ኽብሃል እዩ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ናዝሬት ናብ እትብሃል ዓዲ መፂኡ ተቐመጠ።

Currently Selected:

ማቴዎስ 2: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

YouVersion uses cookies to personalize your experience. By using our website, you accept our use of cookies as described in our Privacy Policy