YouVersion Logo
Search Icon

ማቴዎስ 3

3
ስብከት መጥምቕ ዮሃንስ
(ማር. 1፡1-8ሉቃ. 3፡1-18ዮሓ. 1፡19-28)
1-2 # ማቴ. 4፡17፥ 10፡7፥ 12፡28፥ ሉቃ. 10፡9። በቲ ወርሓት እቱይ መጥምቕ ዮሃንስ፥ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ” እናበለ፥ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መፀ። 3#ኢሳ. 40፡3፥ ሉቃ. 1፡76። እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፥
“ ‘ጐደና እግዚኣብሄር ፅረጉ፤
መንገዱውን ኣቕንዑ’
ኢሉ፥ ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምፂ ኣዋጅ ነጋሪ”
ተብሂሉ ዝተነግረሉ ንሱ ዮሃንስ እዩ እሞ።
4 # 2 ነገ. 1፡8። ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ ነበረ፤ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ፥ ፈልቊ ቘርበት፥ ቀለቡ ኸዓ ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ነበረ። 5#ዮሓ. 5፡35። ሽዑ ሰብ ኢየሩሳሌምን ኵሎም ሰብ ይሁዳን፥ ኵሉ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ ይመፁ ነበሩ። 6ሓጢኣቶም እናተናዘዙ ኸዓ፥ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብዮሃንስ ይጥመቑ ነበሩ።
7 # ማቴ. 23፡33፥ ሮሜ 1፡18። ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ክጥመቑ እንትመፁ ምስ ረአየ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፥ ካብቲ ዝመፅእ መዓት ክተምልጡ መን ሓበረልኩም? 8#ግ.ሓ. 26፡20። እምበኣርከስ ንንስሃ ዘብቅዕ ፍረ ኣፍርዩ። 9#ዮሓ. 8፡33፥39፥ ገላ. 3፡29። ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል እተምልጡ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ንእግዚኣብሄር ከም ዝከኣሎ እብለኩም ኣለኹ። 10#ማቴ. 7፡19፥ ሚል. 4፡1። እንሆ ሕዚ ማሕፀ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተቐሪቡ ኣሎ። እምበኣር ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ይቝረፅ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 11#ዮሓ. 1፡15፥33፥ ግ.ሓ. 1፡5፥ 13፡25። ኣነ ንንስሃ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ግና፥ ካባይ ይሕይል እዩ፤ ኣነ ኣሳእኑ ኽፀውር እኳ ኣይበቅዕን እየ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን ከጥምቐኩም እዩ። 12#ማቴ. 13፡30፥ ሚል. 4፡1። ዓውዱ ዘፅርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና፥ ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።”
ጥምቀት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ
(ማር. 1፡9-11ሉቃ. 3፡21-22ዮሓ. 1፡32-34)
13ሽዑ ኢየሱስ፥ ብዮሃንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መፀ። 14ዮሃንስ ግና “ኣነ ደኣ ብኣኻ ኽጥመቕ ይግብአኒ እምበር፥ ንስኻዶ ናባይ ትመፅእ!” ኢሉ ኣበዮ።
15ኢየሱስ ከዓ “ኵሉ ፅድቂ ኽንፍፅም ይግብአና እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሕደግ! ይኹን ደኣ” ኢሉ መለሰሉ። ድሕሪዙይ “ይኹን” በሎ። 16#ኢሳ. 11፡2፥ ዮሓ. 3፡34። ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ፥ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ማይ ወፀ፤ እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፈተ፤ #3፡16 ተኸፈተ፦ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን ግእዝን “ተኸፈተሉ” ይብሉ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኸም ርግቢ ወሪዱ፥ ኣብ ልዕሊኡ እንትቕመጥ ረአየ። 17#ማቴ. 17፡5፥ ዮሓ. 12፡28፥ መዝ. 2፡7፥ ኢሳ. 42፡1። እንሆ ድማ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ።

Currently Selected:

ማቴዎስ 3: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

YouVersion uses cookies to personalize your experience. By using our website, you accept our use of cookies as described in our Privacy Policy