YouVersion Logo
Search Icon

ሓጌ 1

1
ቤተ መቕደስ ከም ብሓድሽ ክስራሕ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ትእዛዝ
1 # እዝራ 4፡24—5፡2፥ 6፡14። ዳርዮስ፥ ኣብ ሜዶን ምስ ነገሰ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ብኢድ ነቢይ ሓጌ ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ናብ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅ ሊቀ ካህናትን መፀ።
2ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ‘ቤት እግዚኣብሄር ዝስርሐሉ እዋን ኣይበፅሐን’ ይብሉ ኣለዉ” በለ።
3ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነቢይ ሓጌ መፀ፦ 4“እዝ ቤት እዙይ ዓንዩ እንተሎስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ዝተሸለመ ኣባይቲ ኽትነብሩዶ ጊዜኡ እዩ? 5እምበኣር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንመንገድኹም እስኪ ብልብኹም ኣስተውዕልዎ? 6ብዙሕ ዘራእኹም፥ ግና ውሑድ ኣእተኹም። በላዕኹም፥ ግና ኣይፀገብኩምን፤ ሰተኹም፥ ግና ኣይረወኹምን፤ ተኸደንኩም፥ ግና ኣይሞቘኩምን፤ ደሞወዝ ተቐበልኩም ግና ኣብ ቀዳድ ከረጢት ከም ምቕማጥ እዩ። 7ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስኪ መንገድኹም ኣስተውዕሉ? 8ናብ እምባታት ደይቡ፤ ዕንፀይቲ ኣምፅኡ፤ ነቲ ቤትውን ስርሕዎ። ኣነ ብእኡ ኽሕጐስ እየ፤ ክምስገነሉውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
9“ንስኻትኩም ብዙሕ ተፀበኹም፤ እንሆ ኸዓ ውሑድ ኣእተኹም። ናብ ቤት ምስ ኣእተኹምዎ ኸዓ፥ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። እዙይ ስለ ምንታይ እዩ? ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ነፍሲ ወከፍኩም ናብ ገገዛኹም እናጐየኹም፥ ቤተይ ዑና ኾይኑ ስለ ዝተረፈ እዩ። 10ብሰንኪ እዙይ እውን ሰማይ ኣውሊ ኸልከለ፤ ምድሪ እውን ፍረኣ ኸልአት። 11ኣነውን ኣብ ልዕሊ ንዅሉ ምድርን ኣብ ልዕሊ እምባታትን፥ ኣብ ልዕሊ እኽልን ኣብ ልዕሊ ወይንን፥ ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቍሎ ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩምን ድርቂ ፀዋዕኹ።”
እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ከም ዝተኣዘዙ
12ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን፥ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን እቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ዝተመለሱ ህዝቢ ዅላቶምን፥ ንድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንቓል ነቢይ ሓጌን ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለኣኾ ሰምዕዎ። እቶም ህዝቢ እውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈርሑ። 13ሽዑ ሓጌ እቲ ልኡኽ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ፥ በታ መልእኽቲ እግዚኣብሄር “ኣነ ምሳኻትኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኢሉ ተናገረ። 14እግዚኣብሄር ከዓ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ንመንፈስ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን፥ ንመንፈስ እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣለዓዓለ። ንሳቶም ድማ መፂኦም፥ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስራሕ ጀመሩ። 15እዙይ ዝኾነውን ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ካልኣይ ዓመት፥ ብሻድሻይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ነበረ።

Currently Selected:

ሓጌ 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in