YouVersion Logo
Search Icon

እንባቆም 3

3
ፀሎት እንባቆም
1ናይ ነቢይ እንባቆም ፀሎት ብመዝሙር።
2ኦ እግዚኣብሄር፥ ድምፅኻ ሰሚዐ ፈራሕኹ፤
ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ተግባራትካ ኣብ ማእኸል ዓመታት ፈፅም፤
ኣብ ማእኸል ዓመታት ክትፍለጥ፥
ኣብ ጊዜ ቝጥዓ፥ ምሕረት ዘክር።
3እግዚኣብሄር ካብ ቴማን፥
እቲ ቅዱስውን ካብ እምባ ፋራን ይመፅእ ኣሎ፤
ክብሩ ንሰማያት ከደነ፤
ምስጋናኡ ድማ ንምድሪ መልኣ።
4ነፀብራቑ ኸም ብርሃን እዩ፤
ካብ ኢዱ ጩራ ወፀ፤
ሓይሉውን ኣብኡ ተሓብአ።
5ፌራ ቀቕድሚኡ ይኸይድ፤
ሃልሃልታ ሓዊ ድማ ኻብ እግሩ ይወፅእ።
6ደው በለ፥ ንምድሪ እውን ሃወኸ፤
ጠመተ፥ ንኣህዛብውን ኣናወፆም፤
እቶም ናይ ጥንቲ እምባታት ተንቀጥቀጡ፤
እቶም ጥንታውያን ኰረብታታትውን መኸኹ፤
መንገዱ ኸዓ ኻብ ዘለኣለም እዩ።
7ድንኳናት ኢትዮጵያ ኽጭነቑ እንተለዉ ረአኹ፤
መጋረጃታት ምድሪ ምድያም ከዓ ኣንቀጥቀጡ።
8ብሓቂዶ እግዚኣብሄር፥
ኣብ ልዕሊ ሩባታት ተቘጢዑ እዩ?
ቍጥዓኻ ኣብ ልዕሊ ሩባታት፥
መዓትካ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ድዩ?
በፍራስካን ብምድሓን ሰረገላታትካን ተቐሚጥካ ኢኻሞ።
9ከምቲ ብቓልካ ዝመሓልካዮ፥
መቅሰፍትኻ ኣውፃእኻ፤
ቀስትኻውን ገተርካ፤
ንምድሪ ሰንጢቕካ ሩባታት ኣውፃእኻ።
10እምባታት ምስ ረኣዩኻ ኣንቀጥቀጡ፤
ሞገድ ማያት ሓለፈ፤
ቃላይውን ድምፁ ሃበ፤
ኢዱ ኸዓ ንላዕሊ ኣልዓለ።
11ብብርሃን ፍላፃታትካን፥
ብምንፅብራቕ ማሕማሕ ዝብል ኲናትካን፥
ፀሓይን ወርሕን ኣብ ዘዘለዋኦ ቖማ።
12ንምድሪ ብመዓትካ ሓለፍካያ፤
ንኣህዛብውን ብቝጥዓኻ ኣኼድካዮም።
13ንምድሓን ህዝብኻን፥
ንምድሓን ቅቡእኻን ወፃእኻ፤
ነቲ መሰረት ክሳዕ ክሳድ ቀሊዕኻ፥
ርእሲ ቤት እቲ ሓጥእ ቀጥቀጥካ።
14ንርእሲ እቶም ኣሕሉቕ፥
ብገዛ ዅናቶም ወጋእኻ፤
ንኣይ ክብትኑ፥
ከም ኣውሎ ነፋስ ኮይኖም መፁ፤
ነቲ ሽግረኛውን፥
ብስውር ምውሓጥ ደስታኦም እዩ።
15ነፍራስካ ብባሕሪ፥
ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ኣርገፅካ።
16ኣነ ሰማዕኹ፤ ልበይውን ደንገፀኒ፤
ከናፍረይ በቲ ድምፁ ኣንቅጥቀጠ፤
ምንቅጥቃጥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይ ኣተወ፤
ኣብ ስፍራይ ኮይነ ተናወፅኩ፤
ኣብ ልዕሊ እቶም ዘጨንቑኒ ህዝቢ ኽሳዕ ዝመፅእ፥
ንመዓልቲ መከራ ሃዲአ እፅበ ኣለኹ።
17ኦም በለስ እንተ ዘየፍረየት፥
ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥
ፍረ እንተ ዘይተረኽበ፥
ፍረ ኣውሊዕ እንተ ጐደለ፥
ገራሁታት ዝብላዕ እንተ ዘይሃቡ፥
ኣባጊዕ ኻብ ደምበ እንተ ጠፍኣ፥
ከፍትውን ኣብ ደምቤታት እንተ ተስኣና፥
18ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ እየ፤
ብኣምላኽ ምድሓነይ ሓሴት ክገብር እየ።
19 # 2 ሳሙ. 22፡34፥ መዝ. 18፡33። ጐይታ እግዚኣብሄር ሓይለይ እዩ፤
ንሱ ነእጋረይ ከም ኣእጋር ዋልያ ይገብረን፤
ኣብቲ በሪኽ ቦታውን ከም ዝኸይድ ይገብረኒ።

Currently Selected:

እንባቆም 3: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in