1
ማርቆስ 5:34
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንሱ ኸዓ “ጓለይ፥ እምነትኪ እያ ዘሕወየትኪ፤ ብሰላም ኪዲ፤ ካብ ሕማምኪውን ሕወዪ!” በላ።
Compara
Explorar ማርቆስ 5:34
2
ማርቆስ 5:25-26
እንሆ ኸዓ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ፥ ደም ዝፈስሳ ሰበይቲ ነበረት። ናብ ብዙሓት ሓኻይም ብምኻድ ብዙሕ ተሳቐየት፤ ኵሉ ገንዘባውን ወድአት፤ እንተ ኾነ ገደዳ ደኣ እምበር ኣይጠቐማን።
Explorar ማርቆስ 5:25-26
3
ማርቆስ 5:29
እቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደማ ኸዓ፥ ብቕፅበት ቆመ፤ ካብ ሕማማ ኸም ዝሓወየትውን ተፈለጣ።
Explorar ማርቆስ 5:29
4
ማርቆስ 5:41
ነታ ቘልዓ ብኢዳ ሒዙ ኸዓ “ጣሊታ ቑሚ!” በላ። ትርጕሙ ኸዓ “ኣቲ ጓል፥ ተስኢ እብለኪ ኣለኹ” ማለት እዩ።
Explorar ማርቆስ 5:41
5
ማርቆስ 5:35-36
ኢየሱስ ገና እዙይ ኽዛረብ እንተሎ፥ ካብቲ ገዛ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሰባት መፂኦም፥ “ጓልካ ሞይታ እያ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ንመምህር እተድክሞ?” በልዎ። ኢየሱስ ከዓ እቲ ዝተዛረብዎ ሰሚዑ ነቲ ሓለቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣይትፍራሕ፤ እመን ደኣ” በሎ።
Explorar ማርቆስ 5:35-36
6
ማርቆስ 5:8-9
እዙይ ዝበለ ኸዓ ኢየሱስ “ኣታ ርኹስ መንፈስ፥ ካብዝ ሰብ እዙይ ውፃእ” ኢልዎ ስለ ዝነበረ እዩ። ኢየሱስ ከዓ “ስምካ መን እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ጋኔን ድማ “ብዙሓት ኢናሞ ስመይ ‘ሌጌዎን’ እዩ” ኢሉ መለሰ።
Explorar ማርቆስ 5:8-9
Inici
La Bíblia
Plans
Vídeos