ማቴዎስ 26
26
ንኢየሱስ ክቐትልዎ ኸም ዝተማኸሩ
(ማር. 14፡1-2፥ ሉቃ. 22፡1-2፥ ዮሓ. 11፡45-53)
1ኢየሱስ እዝ ዅሉ ነገር ተናጊሩ ምስ ወድአ፥ ንደቀ መዛሙርቱ 2“ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፥ ፋሲካ ኸም ዝኸውን ትፈልጡ ኢኹም፤ ንወዲ ሰብ ድማ፥ ክስቀል ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም” በሎም።
3 #
ማቴ. 16፡21። ሽዑ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን #26፡3 መምህራን ሕግን፦ ወይ “ፀሓፍትን” ዓበይቲ ህዝብን፥ ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዝበሃል ሊቀ ካህናት ተኣከቡ። 4ንኢየሱስ ብተንኰል ሒዞም ክቐትልዎ ድማ ተማኸሩ። 5እንተ ኾነ “ኣብ ማእኸል ህዝቢ ሁከት ምእንቲ ኸይለዓል ብበዓል ኣይኹን” በሉ።
ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ ሽቱ ኸም ዝተቐብአ
(ማር. 14፡3-9፥ ሉቃ. 7፡36-50፥ ዮሓ. 12፡1-8)
6ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ለምፃም እንተሎ፥ 7ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ፥ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ብልቃጥ ሒዛ ናብኡ መፀት፤ ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፥ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። 8-9ደቀ መዛሙርቱ ግና ነዙይ ሪኦም ተቘጥዑ እሞ “እዛ ሰበይቲ ኽንድዙይ ዝኣክል ሽቱ ንምንታይ ኣጥፍአት? ብብዙሕ ዋጋ ተሸይጡዶ፥ ንድኻታት ግዳ ኣይምተውሃበን ነይሩ?” በሉ። 10ኢየሱስ ግና ነዙይ ፈሊጡ “እዛ ሰበይቲ ፅቡቕ እያ ዝገበረትለይ፤ ስለ ምንታይ ተጕህይዋ ኣለኹም? 11ድኻታትስ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ #26፡11 ኣብ ግእዝ “ብዝደለኹምዎ እዋን ክትረድእዎም ትኽእሉ ኢኹም” ዝብል ይርከብ። ኣነ ግና ዅሉ ጊዜ ምሳኻትኩም የለኹን። 12#ዮሓ. 19፡40። እዝ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ኽቡር ሽቱ ግና፥ ንቐብረይ እያ ዝገበረቶ። 13እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ዝስበኸሉ ዅሉ ዓለም፥ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
ይሁዳ ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ኽህቦ ኸም ዝተሰማምዐ
(ማር. 14፡10-11፥ ሉቃ. 22፡3-6)
14ሽዑ እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝተብሃለ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከይዱ፥ 15#ዮሓ. 11፡57። “ኣነ ንኢየሱስ ኣሕሊፈ ኽህበኩምስ እንታይ ትህቡኒ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ ሰላሳ ቕርሺ ሃብዎ። 16ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሩ ድማ፥ ኣሕሊፉ ኽህቦ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድራር ፋሲካ ኸም ዝበልዐ
(ማር. 14፡12-21፥ ሉቃ. 22፡7-13፥21-23፥ ዮሓ. 13፡21-30)
17 #
ዘዳ. 16፡5-8። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ፋሲካ፥ #26፡17 በዓል ፋሲካ፦ ወይ “በዓል ቅጫ” ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም “ድራር ፋሲካ ኽትበልዕስ፥ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ። 18ንሱ ድማ “ናብ ከተማ ኼድኩም ንእገለ ‘መምህር፥ ጊዜይ ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ኣብ ገዛኻ ፋሲካ ኸብዕል እየ ይብል ኣሎ’ በልዎ” በሎም። 19እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ድራር ፋሲካውን ኣዳለዉ። 20ምስ መሰየ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ። 21#ዮሓ. 6፡70-71። እናበልዑ እንተለዉ ኸዓ “ካባኻትኩም ሓደ ኣሕሊፉ ኸም ዝህበኒ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
22ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ሓዘኑ፤ ነፍሲ ወከፍውን “ኦ ጐይታ! ኣነ ደኾን እኸውን?” ክብልዎ ጀመሩ። 23ኢየሱስ መሊሱ “እቲ ኢዱ ኣብ ፃሕሊ ምሳይ ዝፀብሕ፥ ንሱ እዩ ኣሕሊፉ ዝህበኒ። 24#ሉቃ. 18፡31፥ 24፡25፥ ዮሓ. 17፡12፥ ግ.ሓ. 17፡2-3፥ 1 ቆሮ. 15፡3፥ 1 ጴጥ. 1፡11። ወዲ ሰብ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዝህቦ ሰብ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በለ። 25እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ፥ “መምህር፥ ኣነ ደኾን እየ?” ኢሉ ጠየቖ፤ ኢየሱስ ከዓ “ባዕልኻ እኳ ትብል #26፡25 ባዕልኻ እኳ ትብል፦ ግእዝ “ንስኻ ትብል” ይብል። ኣለኻ” በሎ።
ኢየሱስ ቅዱስ ቝርባን ከም ዝሰርዐ
(ማር. 14፡22-26፥ ሉቃ. 22፡14-20፥ 1 ቆሮ. 11፡23-25)
26 #
ዮሓ. 6፡55። እናበልዑ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ሕብስቲ ኣልዓለ፤ ኣመስጊኑ ድማ ቘሪሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “እዙይ ስጋይ እዩ፤ እንኩ ብልዑ” ኢሉ ሃቦም።
27-28 #
ዘፀ. 24፡8፥ ኤር. 31፡31፥ ማቴ. 20፡28፥ ሮሜ 3፡25፥ ዕብ. 9፡12፥22፥ 13፡20። ከምኡውን ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ፥ “እዙይ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፥ ካብዙይ ኵልኻትኩም ስተዩ” ኢሉ ሃቦም። 29“ድሕሪ ሕዚ፥ ክሳዕ እታ ዕለት እቲኣ፥ ኣብ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም፥ ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፥ ካብዝ ፍረ ወይኒ እዙይ፥ ከቶ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም ኣለኹ” ድማ በሎም። 30#ሉቃ. 22፡39፥ ዮሓ. 18፡1። ናይ ምስጋና መዝሙር ምስ ዘመሩ፥ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ።
ኢየሱስ፥ ጴጥሮስ ከም ዝኽሕዶ ተዛረበ
(ማር. 14፡27-31፥ ሉቃ. 22፡31-34፥ ዮሓ. 13፡36-38)
31 #
ዘካ. 13፡7፥ ማቴ. 11፡6፥ ዮሓ. 16፡32። ሽዑ ኢየሱስ “ ‘ነቲ ጓሳ ኽቐትሎ እየ፤ እተን መጓሰ ኣባጊዕ ድማ፥ ፋሕ ክብላ እየን’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ እሞ፥ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ኵልኻትኩም ክትክሕዱኒ ኢኹም። 32ምስ ተሳእኹ ግና፥ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” በሎም። 33#ዮሓ. 13፡36-38። ጴጥሮስ ከዓ “ኵላቶም እኳ እንተ ኸሓዱኻ፥ ኣነስ ፈፂመ ኣይክሕደካን” ኢሉ መለሰሉ። 34#ማቴ. 26፡75። ኢየሱስ ከዓ “በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ፥ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ። 35ጴጥሮስ ግና “ምሳኻ ደኣ እመውት እምበር፥ ከቶ ኣይክሕደካን እየ” በሎ። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርትውን ኵላቶም ከምኡ በሉ።
ኢየሱስ ኣብ ጌቴሴማኒ ኸም ዝፀለየ
(ማር. 14፡32-42፥ ሉቃ. 22፡39-46)
36 #
ዮሓ. 18፡1። ድሕሪዙይ ኢየሱስ ምስኣቶም ጌቴሴማኒ ናብ እትብሃል ቦታ ኸደ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ “ናብቱይ ከይደ ኽሳዕ ዝፅሊ ኣብዙይ ፅንሑ” በሎም። 37#ማቴ. 17፡1። ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ምስኡ ተማሊኡ ኸደሞ፥ ክትክዝን ክሓዝንን ጀመረ። 38#መዝ. 42፡6፥ ኢሳ. 53፡3፥ ዮሓ. 12፡27። ሽዑ “ነፍሰይ ብሓዘን ክሳዕ ሞት በፂሓ ኣላሞ፥ ኣብዙይ ፅንሑ፤ ምሳይውን ንቕሑ” በሎም። 39#ማቴ. 20፡22፥ ዮሓ. 6፡38፥ 18፡11፥ ፊልጵ. 2፡8፥ ዕብ. 5፡7-8። ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገፁ ተደፊኡ ፀለየ፤ “ኦ ኣቦይ! እዙይ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ፥ እዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ! ግና ኸም ናተይ ፍቓድ ዘይኮነስ፥ ከም ናትካ ፍቓድ ይኹን!” በለ። 40ናብ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ደቂሶም ረኸቦም እሞ፥ ንጴጥሮስ “ሓንቲ ሰዓት እኳ ምሳይ ምትጋህዶ ኣይትኽእሉን? 41#ማቴ. 6፡13፥ 1 ጴጥ. 5፡8። እምበኣር ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፥ ትግሁን ፀልዩን፤ መንፈስ ድልዊ እዩ፤ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎም። 42#ማቴ. 6፡10። ካልኣይ ጊዜ ኸይዱ ኸዓ “ኦ ኣቦይ! እዛ ፅዋዕ እዚኣ እንተይሰተኽዋ ኽትሓልፍ ዘይከኣል እንተ ኾይኑስ፥ ፍቓድካ ይኹን!” እናበለ ደጊሙ ፀለየ። 43እንደገና ተመሊሱ ኸዓ፥ ኣዒንቶም ባዕዚዘን ስለ ዝነበራ ደቂሶም ረኸቦም። 44ሓዲግዎም ከደ እሞ፥ ከምቲ ቕድም ኢልዎ ዝነበረ ቓል ንሳልሳይ ጊዜ ፀለየ። 45#ማቴ. 17፡22፥ ዮሓ. 12፡23፥ ግ.ሓ. 2፡23። ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ተመሊሱ “ሕዚ እውን ገና ደቂስኩምን ዓሪፍኩምንዶ ኣለኹም? #26፡45ሕዚ እውን ገና ደቂስኩምን ዓሪፍኩምንዶ ኣለኹም?፦ ግእዝ “ደጊም ደቅሱን ዕረፉን” ይብል። እምበኣር ወዲ ሰብ፥ ናብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፎም ዝህቡሉ ሰዓት በፂሑ እዩ። 46ተስኡ ንኺድ! እቲ ኣሕሊፉ ዝህበንውን እንሆ፥ ቀሪቡ ኣሎ” በሎም።
ኢየሱስ ከም ዝተትሓዘ
(ማር. 14፡43-50፥ ሉቃ. 22፡47-53፥ ዮሓ. 18፡3-12)
47ገና እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ እንሆ ይሁዳ፥ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ መፀ፤ ምስኡ ድማ ብሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን ዝተልኣኹ፥ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት መፁ። 48እቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ ኸዓ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፥ ንሱ እዩ እሞ ሓዝዎ” ኢሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ። 49ሽዑ ናብ ኢየሱስ ቀሪቡ “ሰላም መምህር” ኢሉ ሰዓሞ።
50ኢየሱስ ከዓ “ዓርከይ፥ ንምንታይ ነገር መፃእኻ?” #26፡50 ዓርከይ፥ ንምንታይ ነገር መፃእኻ?፦ ግእዝ “ዓርከይ መፂእኻዶ” ይብል። በሎ፤ ሽዑ ቐሪቦም ንኢየሱስ ሓዝዎ። 51#ሉቃ. 22፡38። እንሆ ኻብቶም ምስ ኢየሱስ ዝነበሩ ሓደ፥ ሰይፉ መዚዙ ነቲ ኣገልጋሊ ሊቀ ካህናት ወቕዖ፤ እዝኑውን ቈረፆ። 52#ዘፍ. 9፡6፥ ራእይ 13፡10። ሽዑ ኢየሱስ “ሰይፊ ዘልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ እዮም ዝጠፍኡ እሞ፥ ሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶ። 53#ዮሓ. 10፡18። ኣነ ነቦይ ክልምኖ ዘይከኣለኒ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ሰራዊት ዝበዝሑ መላእኽቲ ብቕፅበት ክሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ? 54እቶም ‘ከምዙይ ክኸውን ኣለዎ’ ዝብሉ መፃሕፍቲ ደኣ ኸመይ ኢሎም ክፍፀሙ እዮም?” በሎ። 55በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ “ሰራቒ ኸም እትሕዙዶ ብኣስይፍትን ብኣብትርትን ክትሕዙኒ መፂእኹም? ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቅደስ ተቐሚጠ እምህር ነይረ፤ ግና ሽዑ ኣይሓዝኩምንን። 56እዝ ዅሉ ዝኾነ ግና፥ መፃሕፍቲ ነቢያት ምእንቲ ኽፍፀሙ እዩ” በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ዅሎም ሓዲጎምዎ ሃደሙ።
ኢየሱስ ናብ ፍርዲ ኸም ዝቐረበ
(ማር. 14፡53-65፥ ሉቃ. 22፡54-55፥63-71፥ ዮሓ. 18፡13-14፥19-24)
57 #
ማቴ. 26፡3። እቶም ንኢየሱስ ዝሓዝዎ ኸዓ፥ ናብቲ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ፥ ናብ እንዳ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ወሰድዎ። 58ጴጥሮስ ግና ኽሳዕ እቲ ቕፅሪ ገዛ ሊቀ ካህናት፥ ብርሑቕ ሰዓቦ፤ ናይቲ ነገር መወዳእታ ምእንቲ ኽርኢውን፥ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምስቶም ሓሻኽር ተቐመጠ። 59ሊቃነ ካህናትን #26፡59 ኣብ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን ግእዝን “መምህራን ሕግን ሽማግለታትን” ዝብል ይርከብ። እቲ ባይቶን ከዓ፥ ንኢየሱስ ምእንቲ ኽቐትልዎ ሓሰውቲ መሰኻኽር ይደልዩ ነበሩ፤ 60#ዘዳ. 19፡15። እንተ ኾነ ኣይረኸቡን፤ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እኳ እንተ ቐረቡ፥ ሓንቲ በደል ኣይረኸቡሉን። 61#ማቴ. 24፡2፥ 27፡40፥ ዮሓ. 2፡19። ደሓር ግና ኽልተ ቐሪቦም “እዝ ሰብ እዙይ ‘ንቤተ መቕደስ ኣፍሪሰ፥ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሓንፆ እኽእል እየ’ ኢሉ ተዛሪቡ እዩ” በሉ። 62#ማቴ. 27፡12፥ ግ.ሓ. 6፡14፥ ኢሳ. 53፡7። እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ ተሲኡ “ነዝ ኣብ ልዕሌኻ ዝምስክርዎ ዘለዉስ፥ ሓንቲ እኳዶ ኣይትምልሰሉን?” በሎ። 63#ማቴ. 16፡16፥ ዮሓ. 10፡24። ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ክትነግረና በቲ ህያው እግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” በሎ። 64#መዝ. 110፡1፥ ማቴ. 24፡30፥ ዕብ. 1፡3። ኢየሱስ ከዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ፤ #26፡64 ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ፦ ግእዝ “ንስኻ ትብል” ይብል። ድሕሪ ሕዚ ግና፥ ወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ፥ ክትሪእዎ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ” በሎ።
65-66 #
ማቴ. 9፡3፥ ዮሓ. 10፡33፥ 19፡7። ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳኑ ቐዲዱ “እንሆ ይፃረፍ ኣሎ፤ ፀርፉውን ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ እንታይ ምስክር የድልየና እንታይከ ትብሉ?” በለ።
ንሳቶም ከዓ “ሞት ይግብኦ!” ኢሎም መለሱሉ።
67 #
ኢሳ. 50፡6፥ ማቴ. 27፡30፥ ማር. 10፡34፥ 1 ጴጥ. 2፡23-24። ሽዑ ኣብ ገፁ እንትፍ በሉሉ፤ ገሊኣቶም ድማ ወቕዕዎ። 68“ኦ ክርስቶስ! መን እዩ ዝወቕዐካ? እስኪ ተነበየልና?” እናበሉ ኸዓ ይፀፍዕዎ ነበሩ።
ክሕደት ጴጥሮስ
(ማር. 14፡66-72፥ ሉቃ. 22፡56-62፥ ዮሓ. 18፡15-18፥25-27)
69ጴጥሮስ ኣብ ውሽጢ መረባ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሓንቲ ገረድ መፂኣ “ንስኻውን ምስቲ ኢየሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ” በለቶ። 70#ማቴ. 26፡33። ንሱ ኸዓ “ነዝ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን እየ” እናበለ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ከሓደ። 71ናብቲ ኣፍደገ ምስ ወፀ ኸዓ፥ ሓንቲ ኻልእ ገረድ ረአየቶ፤ ኣብኡ ንዝነበሩ ድማ “እዙይ ምስ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ነይሩ እዩ” በለቶም። 72ንሱ ኸዓ “ነዝ ሰብ እዙይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ንኻልኣይ ጊዜ ኸሓደ፤ መሓለውን። 73ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ድማ፥ እቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ንጴጥሮስ “ንስኻ ብሓቂ ኻብኣቶም ኢኻ፤ ዘረባኻ የፍልጠካ ኣሎ” በልዎ። 74ንሱ ኸዓ “ነቲ ሰብ እቱይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኽምሕልን ንባዕሉ ኽረግምን ጀመረ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደርሆ ነቀወ። 75#ማቴ. 26፡34። ጴጥሮስ ድማ ነቲ ኢየሱስ “ደርሆ እንተይነቀወ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ደገ ወፂኡ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።
Цяпер абрана:
ማቴዎስ 26: ትመ15
Пазнака
Падзяліцца
Капіяваць

Хочаце, каб вашыя адзнакі былі захаваны на ўсіх вашых прыладах? Зарэгіструйцеся або ўвайдзіце