1
ዮሃንስ 16:33
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
በኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”
Параўнаць
Даследуйце ዮሃንስ 16:33
2
ዮሃንስ 16:13
እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ፤ ንሱ ነቲ ዅሉ ዝሰምዖ እዩ ዝዛረብ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይዛረብን እዩ፤ ነቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነገራትውን ከፍልጠኩም እዩ።
Даследуйце ዮሃንስ 16:13
3
ዮሃንስ 16:24
ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።
Даследуйце ዮሃንስ 16:24
4
ዮሃንስ 16:7-8
እንተ ኾነ ሓቂ ኽነግረኩም፦ ኣነ ናብ ኣብ፥ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም፤ ኣነ እንተ ዘይከይደ፥ እቲ መፀናንዒ ናባኻትኩም ኣይመፅእን እዩ እሞ፤ ኣነ እንተ ኸይደ ግና፥ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ። ንሱ ምስ መፀ ኸዓ፥ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን፥ ብዛዕባ ፅድቅን፥ ብዛዕባ ፍርድን ክወቅስ እዩ።
Даследуйце ዮሃንስ 16:7-8
5
ዮሃንስ 16:22-23
ከምኡውን ንስኻትኩም፥ ሕዚ ሓዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ኽሪአኩም እየ፤ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ፥ ካባኻትኩም ዝወስዶ የለን። በታ እዋን እቲኣ፥ ንኣይ ሓንቲ እኳ ኣይትልምኑን ኢኹም። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንኣብ ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።
Даследуйце ዮሃንስ 16:22-23
6
ዮሃንስ 16:20
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም፤ ዓለም ግና ደስ ክብሎ እዩ፤ ንስኻትኩም ክትሓዝኑ ኢኹም፤ ግና እቲ ሓዘንኩም፥ ናብ ሓጐስ ክልወጥ እዩ።
Даследуйце ዮሃንስ 16:20
Стужка
Біблія
Планы чытання
Відэа