1
ማቴዎስ 6:33
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንስኻትኩም ግና፥ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚኣብሄርን ፅድቁን ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ።
قارن
اكتشف ማቴዎስ 6:33
2
ማቴዎስ 6:34
እምበኣርከስ፥ ፅባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፥ ብዛዕባ ፅባሕ ኣይትጨነቑ፤ ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ እዩ።”
اكتشف ማቴዎስ 6:34
3
ማቴዎስ 6:25
ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። ህይወት ካብ መብልዕ፥ ሰብነት ከዓ ኻብ ክዳንዶ ኣይበልፅን እዩ?
اكتشف ማቴዎስ 6:25
4
ማቴዎስ 6:6
ንስኻ ግና ኽትፅሊ እንተለኻ፥ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕፆኻ ዓፂኻ ድማ፥ ናብቲ ብስዉር ዘሎ ኣቦኻ ፀሊ። እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ ድማ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።
اكتشف ማቴዎስ 6:6
5
ማቴዎስ 6:9-10
“ንስኻትኩምስ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤ ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፤
اكتشف ማቴዎስ 6:9-10
6
ማቴዎስ 6:11
ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና፤
اكتشف ማቴዎስ 6:11
7
ማቴዎስ 6:12
ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ በደልና ይቕረ በለልና፤
اكتشف ማቴዎስ 6:12
8
ማቴዎስ 6:13
ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፥ ኣሜን።’
اكتشف ማቴዎስ 6:13
9
ማቴዎስ 6:14
“ንሰብ በደሎም እንተ ሓዲግኩምሎም፥ ንኣኻትኩም ድማ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም በደልኩም ክሓድገልኩም እዩ።
اكتشف ማቴዎስ 6:14
10
ማቴዎስ 6:26
ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፤ ናይ ሰማይ ኣቦኻትኩም ደኣ ይምግቦም እምበር፥ ኣይዘርኡ፥ ኣይዓፅዱ፥ ኣብ ማዕኸንውን ኣይእክቡን እዮም። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻብኣቶም የመና ኣይትበልፁን?
اكتشف ማቴዎስ 6:26
11
ማቴዎስ 6:19-21
“ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዝሰርቅዎ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ። ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ ሃብቲ ኣክቡ እምበር። ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ እሞ።
اكتشف ማቴዎስ 6:19-21
12
ማቴዎስ 6:24
“ሓደ ኣገልጋሊ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ኽፀልእ፥ ነቲ ሓደ ኸፍቅር እዩ፤ ወይ ከዓ ነቲ ሓደ ከኽብር ነቲ ሓደ ኽንዕቕ እዩ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
اكتشف ማቴዎስ 6:24
13
ማቴዎስ 6:30
እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ፥ ፅባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ ደኣ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣብሊፁ ዘይኸድነኩም!
اكتشف ማቴዎስ 6:30
14
ማቴዎስ 6:3-4-3-4
ንስኻ ግና ኽትምፅውት እንተለኻ፥ የማነይትኻ እትገብሮ ፀጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፤ ምፅዋትካ ብሕቡእ ይኹን፤ እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ እሞ።
اكتشف ማቴዎስ 6:3-4-3-4
15
ማቴዎስ 6:1
“ብሰብ ምእንቲ ኽትረአዩ ኢልኩም፥ ምፅዋትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኮነ፥ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም፥ ዓስቢ የብልኩምን።
اكتشف ማቴዎስ 6:1
16
ማቴዎስ 6:16-17-18
“እቶም ግብዛት ፀወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ፥ ገፆም የፀምልዉ እዮም እሞ፥ ክትፆሙ እንተለኹም፥ ከምኣቶም ገፅኩም ኣይተፀምልዉ። ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ንስኻ ግና ኽትፀውም እንተለኻ፥ እቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ እምበር፥ ከም እትፀውም ሰብ ከይፈልጥ ርእስኻ ተቐባእ፤ ገፅካውን ተሓፀብ። እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።
اكتشف ማቴዎስ 6:16-17-18
الصفحة الرئيسية
الكتاب المقدس
خطط
فيديوهات