1
ማቴዎስ 14:30-31
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና ፈርሐ፤ ክጠልቕ ምስ ጀመረ ድማ፥ “ጐይታ! ኣድሕነኒ” ኢሉ ኣእወየ። ኢየሱስ ድማ ሽዑ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ “ኣታ እምነት ዝጐደለካ፥ ስለ ምንታይከ ተጠራጠርካ?” በሎ።
አወዳድር
{{ጥቅስ}} ያስሱ
2
ማቴዎስ 14:30
ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና ፈርሐ፤ ክጠልቕ ምስ ጀመረ ድማ፥ “ጐይታ! ኣድሕነኒ” ኢሉ ኣእወየ።
3
ማቴዎስ 14:27
ኢየሱስ ግና ሽዑ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ ኣነ እየ” በሎም።
4
ማቴዎስ 14:28-29
ጴጥሮስ መሊሱ፥ “ጐይታ! ንስኻ እንተ ዄንካስ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናባኻ ኽመፅእ ኣዝዘኒ” በሎ። ንሱ ድማ “ነዓ!” በሎ፤ ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናብ ኢየሱስ ከደ።
5
ማቴዎስ 14:33
እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸዓ “ንስኻ ናይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ!” እናበሉ ሰገዱሉ።
6
ማቴዎስ 14:16-17
ኢየሱስ ግና “ብጥሙዮም ክኸዱ ኣይግባእን እዩ፤ ንስኻትኩም ደኣ ዝብላዕ ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኣብዙይ እንትርፊ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ካልእ የብልናን” በልዎ።
7
ማቴዎስ 14:18-19
ንሱ ግና “ናባይ ኣምፅእወን” በለ። ነቶም ሰባትውን ኣብ ሳዕሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ እናጠመተ፥ ኣመስጊኑ ባረኸ፤ ቈሪሱውን ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም።
8
ማቴዎስ 14:20
ኵሎም በሊዖም ፀገቡ፤ እቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ።
ቤት
መጽሐፍ ቅዱስ
እቅዶች
ቪዲዮዎች