1
ዮሃንስ 14:27
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን።
አወዳድር
{{ጥቅስ}} ያስሱ
2
ዮሃንስ 14:6
ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።
3
ዮሃንስ 14:1
“ልብኹም ኣይሸበር፤ ብእግዚኣብሄር እመኑ፤ ብኣይውን እመኑ።
4
ዮሃንስ 14:26
እቲ ኣብ፥ ብስመይ ዝሰዶ መፀናንዒ መንፈስ ቅዱስ፥ ንሱ ዅሉ ኽምህረኩም፥ ነቲ ዅሉ ኣነ ዝነገርኩኹምውን ከዘክረኩም እዩ።
5
ዮሃንስ 14:21
እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎሞ ዝሕልዎ፥ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ፤ ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ፥ ኣቦይ ከፍቅሮ እዩ፤ ኣነውን ከፍቅሮ እየ፤ ርእሰይ ከዓ ኽገልፀሉ እየ።”
6
ዮሃንስ 14:16-17
ኣነ ኸዓ ንኣብ ክልምኖ እየ፤ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝነብር፥ ካልእ መፀናንዒ ኽህበኩም እዩ። ንሱ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ፤ ዓለም ዘይሪኦን ዘይፈልጦን ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ኣይኽእልን፤ ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዝነብርን ኣባኻትኩም ዝሓድርን ስለ ዝኾነ ትፈልጥዎ ኢኹም።
7
ዮሃንስ 14:13-14
ኣብ፥ ብወልድ ምእንቲ ክኸብርስ፥ ኵሉ ብስመይ እትልምንዎ ኽገብረልኩም እየ። ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ድማ ኽገብረልኩም እየ።
8
ዮሃንስ 14:15
“ትፈትዉኒ እንተ ዄንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ።
9
ዮሃንስ 14:2
ኣብ እንዳ ኣቦይ፥ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ፤ እንተ ዘይህሉስ፥ ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ፥ ኣይምበልኩኹምን ነይረ።
10
ዮሃንስ 14:3
ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ፥ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ።
11
ዮሃንስ 14:5
ቶማስ ከዓ “ጐይታ፥ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ነቲ መንገዲ ደኣ፥ ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ?” በሎ።
ቤት
መጽሐፍ ቅዱስ
እቅዶች
ቪዲዮዎች