YouVersion 標識
搜索圖示

ዘፍጥረት 35

35
እግዚኣብሄር ንያእቆብ ኣብ ቤቴል ከም ዝባረኾ
1 # ዘፍ. 28፡11-17። እግዚኣብሄር ንያእቆብ “ተስእ እሞ ናብ ቤቴል ደይብ፤ ኣብኣውን ተቐመጥ። ካብ ሓውካ ኤሳው ሃዲምካ ኽትከይድ እንተለኻ ንዝተገለፀልካ እግዚኣብሄር መሰውኢ ስራሕ” በሎ።
2ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎምን “ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፤ ንፁሃትውን ኩኑ፤ ክዳውንትኹም ድማ ለውጡ። 3ንዑናይ ናብ ቤቴል ንደይብ፤ ኣነ ኸዓ ኣብኣ ነቲ ብመዓልቲ መከራይ ዝሰምዐንን፥ ኣብ ዝኸድክዎ መንገዲ ምሳይ ንዝነበረ ንእግዚኣብሄር፥ መሰውኢ ኽሰርሕ እየ” በሎም። 4ንሳቶም ከዓ ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎም ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ዅትሻታትን ንያእቆብ ሃብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዝነበረ ዓብዪ ኦም ቀበሮ።
5ክጐዓዙ ኸዓ ጀመሩ፤ ኣብተን ኣብ ዙርያኣቶም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ኻብ እግዚኣብሄር ዓብዪ ፍርሓት ወደቐን። ንደቂ ያእቆብ ከሳጕጎም ኢሉ ዝሰዓቦም ከዓ ሓደ እኳ ኣይነበረን። 6ያእቆብን ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን፥ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሎዛ፥ ሕዚ ቤቴል ናብ እትበሃል መፁ፤ 7ኣብኣ ድማ መሰውኢ ሰርሐ። ካብ ሓዉ ኽሃድም እንተሎ እግዚኣብሄር ኣብኣ ስለ ዝተገልፀሉ፥ ነታ ቦታ “ኤል ቤቴል” ኢሉ ስም ኣውፅአላ። 8መጕዚት ርብቃ ዝነበረት ዲቦራ ድማ ሞተት፤ ኣብ ቤቴል፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብዪ ኦም ድማ ተቐበረት። “ኦም ብኽያት” ኢሎም ከዓ ሰመይዎ።
9እግዚኣብሄር ድማ ያእቆብ ካብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ካብ ሶርያ ምስ ተመለሰ፥ መሊሱ ተገለፀሉ፤ ባረኾውን። 10#ዘፍ. 32፡28። ቀፂሉውን “ስምካ ያእቆብ እዩ፤ ድሕሪ ደጊም እስራኤል እምበር ያእቆብ ኣይትበሃልን ኢኻ” ድማ በሎ። ስለዙይ እግዚኣብሄር “እስራኤል” ኢሉ ሰመዮ። 11እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ። ፍረን ብዛሕን፥ ህዝብን ማሕበር ኣህዛብን ካባኻ ኽወፁ እዮም። ነገስታትውን ካብ ሕቘኻ ኽወፁ እዮም። 12#ዘፍ. 17፡4-8። እዛ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ዝሃብክዎም ምድሪ ንኣኻ ኽህባ እየ። ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ። 13እግዚኣብሄር ከዓ ኻብታ ምስ ያእቆብ ዝተዛረበላ ቦታ ንላዕሊ ዓረገ። 14ያእቆብ ድማ ኣብታ ምስ እግዚኣብሄር ዝተዘራረበላ ቦታ ብእምኒ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ኣቖመ። ኣብኣ ድማ መስዋእቲ መስተ ኣፍሰሰ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ዘይቲ ኣፍሰሰ። 15#ዘፍ. 28፡18-19። ያእቆብ ከዓ ነታ እግዚኣብሄር ምስኡ ዝተዘራረበላ ቦታ፥ ቤቴል ኢሉ ስም ኣውፅአላ።
ራሄል ከም ዝሞተት
16ሽዑ ያእቆብን ስድራኡን ካብ ቤቴል ተልዓሉ። ንኤፍራታ ኽበፅሑ ቑሩብ መንገዲ ምስ ተረፎም፥ ራሄል ሕማም ሕርሲ ተትሓዘት፤ ፃዕሪ ኸዓ በርትዓ። 17ሕርሲ በርቲዑዋ ኽትፀዓር እንተላ ድማ እታ መሕረሲት “ሕዚ ድማ ወዲ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ” በለታ። 18ክትመውት ኢላ፥ ነፍሳ ኽትወፅእ እንተላ ድማ ቤንኦኒ #35፡18 ቤንኦኒ፦ ብዕብራይስጢ “ወዲ ፃዕረይ” ማለት እዩ። ኢላ ሰመየቶ። ኣቦኡ ግና ብንያም #35፡18 ብዕብራይስጢ “ኵምራ ሓለዋ” ማለት እዩ። ኢሉ ሰመዮ።
19ራሄል ድማ ሞተት። ኣብ መንገዲ ኤፍራታ፥ ኣብታ ሕዚ ቤተልሔም እትበሃል ዘላ ተቐበረት። 20ያእቆብ ድማ ኣብ መቓብራ ሓወልቲ ኣቖመ፤ ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ሓወልቲ፥ መቓብር ራሄል እዩ። 21እስራኤል ከዓ፥ ካብኡ ተልዒሉ ድንኳኑ ኣብ መንፅር ግንቢ ጋዴን ተኸለ።
ደቂ ያእቆብ
22 # ዘፍ. 49፡4። እስራኤልውን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሮቤል፥ ዕቅብቲ ኣቦኡ ናብ ዝኾነት ናብ ባላ ኣተወ። ያእቆብ ድማ ብዛዕባኡ ሰምዐ።
ደቂ ያእቆብ ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። 23ደቂ ልያ፦ ሮቤል በዅሪ ወዱ ንያእቆብ፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን። 24ደቂ ራሄል፦ ዮሴፍ፥ ብንያም። 25ደቂ እታ ኣገልጋሊት ራሄል ባላ፦ ዳን፥ ንፍታሌም። 26ደቂ እታ ኣገልጋሊት ልያ ዘለፋ፦ ጋድ፥ ኣሴር። እዚኣቶም ኣብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ዝተወለዱ ደቂ ያእቆብ እዮም።
ይስሓቅ ከም ዝሞተ
27 # ዘፍ. 13፡18። ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሓቅ ናብ መምሬ፥ ናብ ቂርያትኣርባቅ መፀ። ንሳ እታ ኣብርሃምን ይስሓቅን ተቐሚጦምዋ ዝነበሩ፥ ሕዚ ኬብሮን እትበሃል እያ። 28ዕድመ ይስሓቅ ሚእትን ሰማንያን ዓመት ኮነ። 29ይስሓቅውን ነፍሱ ሃበ፤ ሞተውን፤ ኣሪጉ፥ ዕድመ ፀጊቡ ድማ ናብ ወገናቱ ተኣከበ። ደቁ ኤሳውን ያእቆብን ከዓ ቐበርዎ።

醒目顯示

分享

複製

None

想要在所有設備上保存你的醒目顯示嗎? 註冊或登入