ግብሪ ሃዋርያት 27
27
ጕዕዞ ጳውሎስ ናብ ሮሜ
1ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ምስ ተወሰነ፥ #27፡1 ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ምስ ተወሰነ፦ ግእዝ “ብድሕሪዙይ ፊስጦስ ናብ ቄሳር ንኢጣልያ ኽወስድዎ ኣዘዘ” ይብል። ንጳውሎስን ንኻልኦት እሱራትን፥ ነቲ ኣብ ሰራዊት ቄሳር ሓለቓ ሚእቲ ዝኾነ ዩልዮስ ዝስሙ ኣመሓላለፍዎም። 2ናብ ሃገር እስያ ዝነቐለት፥ ካብ ኣድራሚጢስ ዝመፀት መርከብ ጌርና ጕዕዞና ጀመርና። ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብር ኣርስጣርኮስ ዝተብሃለ መቄዶንያዊ ድማ፥ ምሳና ኸደ። 3ብፅባሒቱ ኣብ ሲዶና በፃሕና፤ ዩልዮስ ከዓ ንጳውሎስ ራህርሀሉ፤ ናብ ፈተውቱ ኽበፅሕ እሞ፥ ካብኣቶም ሓገዝ ኽረክብውን ፈቐደሉ። 4ካብኣ ተልዒልና ኸዓ፥ ንፋስ ኣብ ቕድሜና ስለ ዝነበረ፥ ንቆጵሮስ ከውሊ ጌርና ሓለፍና። 5ኣብ ጥቓ ቂልቅያን ጵምፍልያን ዘሎ ባሕሪ ሓሊፍና፥ ናብታ ኣብ ሃገር ሉቅያ እትርከብ ሙራ ናብ እትበሃል ወደብ ኣተና። 6እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ኣብኣ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ ናይ እስክንድርያ መርከብ ረኸበ እሞ ናብኣ ኣደየበና። 7እታ መርከብ፥ ብዙሕ መዓልቲ ሰለይ እናበለት ትጐዓዝ ነበረት፤ ብጭንቂ ድማ፥ ኣብ ማዕዶ ቀኒዶስ በፃሕና፤ ናብኣ ኸይንቐርብ ንፋስ ምስ ከልከለና ኸዓ፥ ንቀርጤስ ከውልና ጌርና፥ ብማዕዶ ሰልሙና ሓለፍና። 8ብብዙሕ ጭንቂ ፀግዓ ፀግዒ ምስ ሓለፍና፥ ኣብ ጥቓ ኸተማ ላስያ እትርከብ “ፅብቕቲ ወደብ” ናብ እትብሃል በፃሕና። 9ከምዙይ ኢሉውን ብዙሕ ጊዜ ሓለፈ፤ እቲ መዓልቲ ፆም ኣይሁድ #27፡9 እቲ መዓልቲ ፆም፦ “ዮም ኪፑር” ኣይሁድ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ ብፆም ዘብዕልዋ መዓልቲ። ምስ ሓለፈ፥ ብባሕሪ ምጕዓዝ ዘፀግመሉ ወርሓት ስለ ዝኾነ፥ ጳውሎስ፦ 10“ኣቱም ሰባት ስምዑኒ፤ ጕዕዞና ንመርከብን ፅዕነትን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንህይወትና ብዙሕ ጥፍኣትን ጕድኣትን ከም ዘስዕብ ይረአየኒ ኣሎ” ኢሉ መኸሮም። 11እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና፥ ካብቲ ጳውሎስ ዝተዛረቦ ዘረባ፥ ነቲ መራሒ መርከብን ነቲ ዋናኡን ኣብሊፁ ይኣምን ነበረ። 12እቲ ወደብ፥ ክረምቲ ክኸርሙሉ ዘይምቾ ስለ ዝነበረ፥ መብዛሕትኦም ካብኡ ኽወፁ፥ እንተ ተኻኢልዎም ከዓ፥ ኣብ ፍንቄ ክኸርሙ መኸሩ። ንሳ እታ ናብ ደቡባዊ ምዕራብን፥ ሰሜናዊ ምዕራብን ኣቢላ እትርኢ፥ ናይ ቀርጤስ ወደብ ነበረት።
ኣብ ባሕሪ፥ ማዕበል ተልዒሉ ኸም ዘጨነቖም
13ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ ኸዓ፥ ከም ሓሳቦም ዝኾነሎም መሲልዎም፥ መልህቅ ኣልዒሎም ብፀግዒ ቀርጤስ ሓለፉ። 14ሽዑ ኸዓ ብዙሕ እንተይደንጐየ “ሰሜናዊ ምብራቕ” #27፡14 ሰሜናዊ ምብራቕ፦ ብግሪክ “ኣውራቂስ” ይበሃል። ዝበሃል ህቦብላ ንፋስ፥ ካብታ ደሴት ተልዓለ። 15ነታ መርከብ ደፊኡ ምስ ወሰዳ ኸዓ፥ ንሳ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፥ ናብ ዝኸደት ትኪድ ኢልና ሓደግናያ። #27፡15 ኣብ ግእዝ “እቶም መራሕቲ መርከብ ነቲ ንፋስ ክቃወምዎ ስለ ዘይከኣሉ ኽትከይድ ሓደግዋ” ይብል። 16ኣብ ከውሊ እታ ቄዳ እትበሃል ደሴት ምስ በፃሕና ድማ፥ ብብዙሕ ጭንቂ፥ ንጃልባ እታ መርከብ ክነድሕና ኸኣልና። 17ነታ ጃልባ ስሒቦም ምስ ኣውፅእዋ፥ ነታ መርከብ ብታሕቲ ብገመድ ኣሰርዋ። ኣብ ድበት ሑፃ፥ ናብ ስርቲስ ከይወድቁ ፈሪሖም ድማ፥ ነቲ ጋንፅላ ጠቕሊሎም፥ ብንፋስ ክትከይድ ሓደግዋ። 18ንፅባሒቱ ማዕበል እናበርትዐና ምስ ከደ ድማ፥ ካብቲ ፅዕነት፥ ናብ ባሕሪ ኽድርብዩ ጀመሩ። 19ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ፥ ነቲ መሳርሒታት መርከብ፥ በእዳዎም እናልዓሉ ደርበይዎ። 20ብዙሕ መዓልቲ፥ ፀሓይ ኮነ ከዋኽብቲ እንተይረአና ቐነና፤ #27፡20 ኣብ ግእዝ “ዝናም ይዘንም ነበረ” ዝብል ይርከብ። እቲ ማዕበል እናበርትዐና ምስ ከደ ኸዓ፥ ኵሉ ተስፋ ድሕነት ህይወትና፥ ፈፂምና ቐበፅናዮ።
21እኽሊ እንተይጠዓሙ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ፥ ጳውሎስ ኣብ ማእኸል ደው ኢሉ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ምኽረይ ሰሚዕኹምኒ እንተትኾኑ ኔርኩም፥ ካብ ቀርጤስውን እንተ ዘይትወፁ፥ እዝ ዅሉ መከራን ጕድኣትን ኣይምረኸበኩምን ነይሩ። 22ሕዚ ድማ ብዘይ እታ መርከብ፥ ካባና ሓደኳ ኣይጕዳእን እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሑ እብለኩም ኣለኹ። 23በዛ ለይቲ እዚኣ፥ እቲ ኣነ ናቱ ዝኾንኩን ዘገልግሎን እግዚኣብሄር፥ ዝለኣኾ መልኣኽ፥ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ፥ 24#ግ.ሓ. 23፡11። ‘ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ቄሳር፥ ደው ክትብል ኢኻ፤ እንሆ ነቶም ምሳኻ ዝጐዓዙ ዅላቶምውን፥ እግዚኣብሄር ሂቡካ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍራሕ’ በለኒ። 25ሕዚ እውን ኣቱም ሰባት ኣይዞኹም፤ ኣነ ኸዓ ኸምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዝኸውን፥ ንእግዚኣብሄር እኣምኖ እየ። 26እንተ ኾነ፥ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንበፅሕ ኣለና” በሎም።
27ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ለይቲ፥ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ንፋስ እናጋፍዐና ኽንከይድ እንተለና፥ እቶም መርከበኛታት ኣብ ፍርቂ ለይቲ፥ ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም። 28ሽዑ መለክዒ እንተ ኣውረዱ፥ ኣርብዓ ሜትር ኮይኑ ረኸብዎ። ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ኢሎም ከዓ፥ ካልኣይ መለክዒ ኣውረዱ እሞ፥ ሰላሳ ሜትር ኮይኑ ረኸብዎ። 29ምስ ኰኵሒ ኸይላተሙ ፈሪሖም ከዓ፥ ብወገን ድሕሪት እታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቅ ኣውረዱ፤ ክወግሐሎም ድማ ፀለዩ። 30እቶም መርከበኛታት ድማ፥ ካብታ መርከብ ክሃድሙ ደልዮም፥ ብወገን ቅድሚታ መልህቅ ከም ዘውርዱ መሲሎም፥ ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኣውረድዋ። 31ጳውሎስ ከዓ፥ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ወታደራትን “እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይፀኒሖም፥ ንስኻትኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም። 32ሽዑ እቶም ወታደራት መእሰሪ እታ ጃልባ በቲኾም፥ ክትወድቕ ሓደግዋ። 33ምስ ወግሐ፥ ጳውሎስ “እናተፀበኹም እኽሊ ኻብ ዘይትጥዕሙ ሎሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልትኹም እዩ እሞ፥ እንጀራ ብልዑ” ኢሉ ንዅሎም ለመኖም። 34“እምበኣርከስ፥ ካባኻትኩም ናይ ሓደ ፀጕሪ ርእሱ እኳ ኣይትጠፍእን እያ እሞ፥ ብህይወት ምእንቲ ኽትፀንሑ፥ ክትበልዑ እልምነኩም ኣለኹ” በሎም። 35እዙይ ምስ በለ እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ፤ ቈሪሱ ድማ ኽበልዕ ጀመረ። 36ኵላቶም ከዓ ተፀናንዑ፤ እንጀራውን በልዑ። 37ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዅላትና፥ ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሽዱሽተን ሰባት ነበርና።
38በሊዖም ምስ ፀገቡ ኸዓ፥ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፥ ነታ መርከብ ኣቃለሉላ። 39ምስ ወግሐ ነቲ ምድሪ ምልላዩ ሰኣኑ፤ ኣማዕድዮም ግና ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረአዩ እሞ፥ እንተ ተኽኢልዎምስ ነታ መርከብ ናብኡ ኸብፅሕዋ ደለዩ። 40ነቲ መልህቅ ከዓ ፈቲሖም፥ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ ሽዑ ነቲ መእሰሪ ስካን ፈትሕዎ፤ ነቲ ንእሽቶይ ጋንፅላ ንንፋስ ገቲሮምውን፥ ናብቲ ገምገም ገፆም ከዱ። 41ኣብ ሓደ ልሳን ምድሪ ምስ በፅሑ ኸዓ፥ እታ መርከብ ብወገን ቅድሚታ፥ ኣብ ምድሪ ተሸኽለት እሞ፥ ዘይትነቓነቕ ኮነት፤ ብድሕሪኣ ኸዓ ማዕበል በርቲዑዋ ተሰብረት። 42እቶም እሱራት ምእንቲ ሓሚሶም ከየምልጡ፥ እቶም ወታደራት ነቶም እሱራት ክቐትልዎም ተማኸሩ። 43እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ከድሕኖ ስለ ዝደለየ፥ ነቲ ምኽሮም ኣይተቐበሎን፤ እኳ ደኣ ነቶም ምሕማስ ዝኽእሉ፥ ሓሚሶም ናብ ምድሪ ኽወፁ ኣዘዘ። 44ነቶም ዝተረፉ ኸዓ ገሊኣቶም ብሉሕ፥ ገሊኣቶምውን ብስባር እታ መርከብ ክወፁ ኣዘዘ። በዝ ኸምዙይ ኵላቶም ድሒኖም፥ ናብ ምድሪ በፅሑ።