YouVersion 標識
搜索圖示

ግብሪ ሃዋርያት 26

26
ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኣግሪጳ ዘስምዖ ዘረባ
1ኣግሪጳ ንጳውሎስ “ብዛዕባ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ” በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ኸምዙይ እናበለ ኽዛረብ ጀመረ፦ 2“ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ብዛዕባ እቲ ብኣይሁድ ዝኽሰሰሉ ዘለኹ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ሎሚ መልሲ ኽምልስ ስለ ዝተፈቐደለይ፥ የመና ሕጉስ እየ። 3ኵሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለዙይ ድማ ብትዕግስቲ ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ።
4 # ግ.ሓ. 22፡3። “እምበኣርከስ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ኣብ ማእኸል ህዝበይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እየ ዝዓበኹ፤ ዘሕለፍክዎ ህይወትውን፥ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ኵላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም። 5#ግ.ሓ. 23፡6። ክምስክሩ እንተ ደኣ ደልዮምስ፥ ኣነ ኻብቶም ብዛዕባ ኣምልኾትና ኣፀቢቖም ዝጥንቀቑ፥ ወገን ፈሪሳውያን ከም ዝነበርኩ፥ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም። 6ሕዚ ድማ በታ እግዚኣብሄር ነቦታትና ዝሃቦም ናይ ተስፋ ቓል፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ደው ኢለ እኒሀኹ። 7እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድና ኸዓ፥ ለይትን መዓልትን ተጊሆም ንእግዚኣብሄር እናምለኹ፥ ናይዛ ቓል ተስፋ እዚኣ ፍፃሜ ይፅበዩ ነበሩ። ኣነውን ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ፥ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘለኹ፤ 8#ዘፍ. 2፡7፥ ሉቃ. 20፡38። እግዚኣብሄር፥ ንምዉታን ከም ዘተስኦም ደኣ፥ ስለ ምንታይ ከም ሓደ ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትሪእዎ ኣለኹም? #26፡8 ግእዝ “እግዚኣብሄር ምዉታን ከም ዘተስእዶ ኽንኣምን ኣይግብአናን እዩ? እንታይ ትፈርዱ?” ይብል። 9ኣነ ንባዕለይ ብዝከኣለኒ ዅሉ፥ ኣብ ልዕሊ ስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ዝፃረር ነገር ክገብር፥ ግቡእ እዩ ኢለ እኣምን ነበርኩ። 10ነዙይ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገይረዮ እየ፤ ካብ ሊቃነ ካህናት ስልጣን ተቐቢለ፥ ንብዙሓት ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተኽዎም፤ ክቐትልዎም እንተለዉውን ሓቢረ ተሰማማዕኹ። 11ኣብ ኵሉ ኣብያተ ፀሎት ድማ፥ ብዙሕ ጊዜ እናቐፃዕኹ፥ እምነቶም ከም ዝኽሕዱ ገበርክዎም፤ የመና እናደድ ስለ ዝነበርኩ ኸዓ፥ ክሳዕ እተን ኣብ ወፃኢ ዝነበራ ኸተማታት እናሰዓብኩ፥ ኣሳጕጎም ነበርኩ።”
ጳውሎስ ብጐይታ ከም ዝኣመነ መስከረ
(ግ.ሓ. 9፡1-1922፡6-16)
12“በዝ ጉዳይ እዙይ፥ ብትእዛዝ ሊቃነ ካህናትን ብፍቓዶምን፥ ናብ ደማስቆ ክኸይድ እንተለኹ፥ 13ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ቐትሪ ኣብ መንገዲ እንተለኹ፥ ካብ ፀሓይ ዝደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን፥ ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ዝነበሩን፥ ከንፀባርቕ እንተሎ ረአኹ። 14ኵላትና ኣብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸዓ፥ ብቛንቋ ዕብራይስጢ ‘ሳውል! ሳውል! ስለ ምንታይ እተሳጕጐኒ? በሊሕ ነገር እንተ ረገፅካ፥ ንባዕልኻ እዩ ዝገደካ’ ኢሉ ዝዛረበኒ ድምፂ ሰማዕኹ። 15ኣነ ድማ ‘መን ኢኻ ጐይታይ?’ በልክዎ፤ ጐይታ ኸዓ ‘ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጎ ዘለኻ ኢየሱስ እየ። 16ግና ተስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፤ በቲ ዝረአኻንን ድሕሪ ሕዚ እውን ክትሪኦ ዘለካን፥ ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን ስለ ዝመረፅኩኻ እየ ዝተገለፅኩልካ። 17ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናብኣቶም ዝልእኸካ ኣህዛብን ከዓ፥ ከናግፈካ እየ። 18#ኢሳ. 9፡2፥ 35፡5፥ 42፡7፥ ቈላ. 1፡13፥ 1 ጴጥ. 2፡9። ንኣይ ብምእማን ከዓ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ፥ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ፥ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ’ በለኒ።”
ጳውሎስ ብዛዕባ ትምህርቱ ኸም ዝተዛረበ
19“እምበኣር፥ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን። 20#ማቴ. 3፡8፥ ግ.ሓ. 13፡38-39። እኳ ደኣ፥ ክንስሁን ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱን፥ ከም ዝተነስሁ ዘርኢ ግብሪ ኽገብሩን፥ ቅድም ኣብ ደማስቆ፥ ደሓር ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ ወንጌል ሰበኽኩ። 21ብዛዕባ እዙይ ከዓ፥ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓዙኒ፤ ክቐትሉኒውን ደለዩ። 22#ግ.ሓ. 9፡1-29፥ 22፡1-21። እንተ ኾነ፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ረድኤት እግዚኣብሄር ረኺበ፥ ንንኡስን ንዓቢይን እናመስከርኩ፥ ደው ኢለ እኒሀኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነቢያትን ክኸውን ከም ዘለዎ ዝተዛረብዎ፥ ካልእ ሓደኳ ኣይወሰኽኩን። 23#ማቴ. 10፡18፥ ሉቃ. 24፡26-27፥ ግ.ሓ. 13፡47፥ 24፡14፥ 1 ቆሮ. 15፡20። ንሳቶም ክርስቶስ መከራ ኸም ዝቕበል፥ መጀመርታ ኻብ ሞት ብምትሳኡውን፥ ንህዝቢ እስራኤልን፥ ንኣህዛብን ብርሃን ከም ዘብስር ተዛሪቦም ነበሩ።”
24ከምዙይ ኢሉ ብዛዕባ ርእሱ ምስ ተዛረበ ድማ፥ ፊስጦስ ዓው ኢሉ፥ “ጳውሎስ ዓቢድካ ኢኻ? እዝ ብዙሕ ትምህርትኻ፥ ናብ ዕብዳን ኣብፂሑካ ኣሎ” በሎ።
25ጳውሎስ ከዓ፥ “ኦ ኽቡር ፊስጦስ! እታ ፅርይቲ ሓቂ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፥ ኣይዓበድኩን። 26እዝ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘለኹ ንጉስ ኣግሪጳ ድማ፥ ነዝ ነገር እዙይ ይፈልጦ እዩ፤ ብሕቡእ ስለ ዘይተገብረ፥ እዝ ነገር እዙይ ከም ዘይስሕቶ እፈልጥ እየ። 27ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ንነቢያትዶ ተኣምኖም ኢኻ? ከም እትኣምኖም ድማ እፈልጥ እየ።”
28ኣግሪጳ ኸዓ ንጳውሎስ “ብሓፂር ጊዜዶ፥ ክርስቲያን ክትገብረኒ ደሊኻ?” በሎ።
29ጳውሎስ ከዓ “እንተስ ብሓፂሩ እንተስ ብነዊሑ፥ ንስኻ ጥራሕ ዘይኮንካስ፥ ኵሎም እዞም ሎሚ ዝሰምዑኒ ዘለዉውን፥ እንትርፊ እዝ መቝሐይ፥ ከምዝ ኸማይ ክኾኑ፥ ናብ እግዚኣብሄር እልምን ኣለኹ” በለ።
30ሽዑ እቲ ንጉስን፥ እቲ ሹም ብርኒቄን፥ እቶም መቓምጦምን ተስኡ። 31ካብኡ ወፂኦም ምስ ከዱ ንስንሳቶም፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዘብፅሕ፥ ሓንቲ ነገር እኳ ኣይገበረን ተበሃሃሉ። 32ኣግሪጳ ኸዓ ንፊስጦስ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ቄሳር ይግባይ ኢሉ እንተ ዘይኸውንስ፥ ክፍታሕ ምተገብኦ ነይሩ” በሎ።

醒目顯示

分享

複製

None

想要在所有設備上保存你的醒目顯示嗎? 註冊或登入