YouVersion 標識
搜索圖示

ግብሪ ሃዋርያት 22

22
ጳውሎስ ንህዝቢ ኸም ዝተዛረበ
1“ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን፥ እዝ ሕዚ ኣነ ዝከራኸረሉ ነገር ስምዑኒ።” 2ብቛንቋ ዕብራይስጢ ኽዛረብ ምስ ሰምዕዎ፥ ብዝበለፀ ፀጥ ኢሎም ኣዳመፅዎ፤ ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦ 3#ግ.ሓ. 9፡1-30፥ 26፡9-21፥ 5፡34፥ 21፡39፥ ሮሜ 10፡2፥ 2 ቆሮ. 11፡22፥ ገላ. 1፡14፥ ፊልጵ. 3፡5። “ኣነስ ኣብታ ኣብ ቂልቅያ እትርከብ፥ ጠርሴስ እትበሃል ከተማ ዝተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብ እየ። ኣብ ጥቓ እግሪ ገማልያል ኮይነ፥ ሕጊ ኣቦታት ኣፀቢቐ እናተምሃርኩ፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እየ ዝዓበኹ። ከምዝ ዅልኻትኩም ሎሚ ዘለኹምዎ ኸዓ፥ ብናይ እግዚኣብሄር ነገር ቀናእ ነበርኩ። 4#ግ.ሓ. 8፡3። ሰብኡትን ኣንስትን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ እናሃብኩ፥ ነቶም ነዛ መንገዲ ጐይታ እዚኣ ዝስዕቡ፥ ክሳዕ ሞት ክቐትሎም ኣሳጐጕክዎም። 5ከምዙይ ከም ዝገበርኩ፥ ሊቀ ካህናትን ኵላቶም ሽማግለታትን ይምስክሩለይ እዮም። እቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ኣሕዋት ምእንቲ ኽቕፅዑ፥ እናኣሰርኩ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኦም ዘኽእለኒ፥ ናብቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣይሁዳውያን፥ ካብኣቶም መልእኽቲ ተቐቢለ ነይረ እየ።
ጳውሎስ ብእግዚኣብሄር ከም ዝተፀውዐ ተዛረበ
(ግ.ሓ. 9፡1-1926፡12-18)
6“ናብ ደማስቆ እናኸድኩ እንተለኹ፥ ናብኣ ምስ ቀረብኩ፥ ኣጋ ቐትሪ ድንገት ካብ ሰማይ ዓብዪ ብርሃን፥ ኣብ ዙርያይ ኣንፀባረቐ። 7ኣብ ምድሪ ኸዓ ወደቕኩ፥ ‘ሳውል! ሳውል! ንምንታይ እተሳጕጐኒ?’ ዝብል ድምፂ ድማ ሰማዕኹ። 8ኣነ ድማ መሊሰ ‘ጐይታይ፥ ንስኻ መን ኢኻ?’ በልክዎ። ንሱ ኸዓ ‘ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጐኒ ዘለኻ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ እየ’ በለኒ። 9እቶም ምሳይ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን ረአይዎ፤ #22፡9 ነቲ ብርሃን ረአይዎ፦ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን ግእዝን “ነቲ ብርሃን ሪኦም ደንገፁ” ይብሉ። ናይቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ ድምፂ ግና ኣይሰምዑን። 10ሽዑ ኸዓ ‘ጐይታይ፥ እንታይ ክገብር?’ በልክዎ፤ ጐይታ ድማ ‘ተሲእኻ ናብ ደማስቆ ኺድሞ፥ እቲ ኽትገብሮ ዝግበአካ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም’ በለኒ። 11ካብቲ ግርማ ነፀብራቕ ዝተልዓለ ምርኣይ ምስ ሰኣንኩ ድማ፥ እቶም ምሳይ ዝነበሩ እናመርሑኒ፥ ናብ ደማስቆ በፃሕኹ።
12“ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝንእድዎ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሕያዋይን ብሕጊ ዝፀንዐን፥ ሓናንያ ዝስሙ ሓደ ሰብ ነበረ። 13ንሱ ናባይ መፂኡ፥ ኣብ ቅድመይ ደው በለ፤ ‘ሳውል ሓወይ፥ ረአ’ በለኒ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአኹ፤ ንእኡውን ጠመትኩዎ። 14#1 ቆሮ. 9፡1፥ 15፡8፥ ገላ. 1፡12፥15-16። ንሱ ኸዓ፥ ፍቓዱ ኽትፈልጥን፥ ነቲ ፃድቕ [ክርስቶስ] ከዓ ኽትሪኦን፥ ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ኣምላኽ ኣቦታትና ሓረየካ። 15እዙይ ድማ፥ በቲ ዝረአኻዮን ዝሰማዕኻዮን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኮኖ እዩ። 16#1 ቆሮ. 6፡11። ሕዝኸ እንታይ ትፅበ ኣለኻ? ተስእሞ፥ ስም ጐይታ እናፀዋዕኻ ተጠመቕ፤ ካብ ሓጢኣትካውን ተሓፀብ” በለኒ።
17“ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ፥ ኣብ መቕደስ እናፀለኹ እንተለኹ ድማ ተመሰጥኩ። 18#ማቴ. 10፡14። ጐይታ ኸዓ ብራእይ ‘ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይቕበሉኻን እዮም እሞ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ቀልጢፍካ ውፃእ’ ኽብለኒ እንተሎ ረአኹዎ። 19ኣነ ኸዓ ‘ጐይታይ፥ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዝኣምኑ ኣኣስሮምን፥ ኣብ ቤተ ፀሎታቶም እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ፥ ባዕልቶም ይፈልጡ እዮም። 20#ግ.ሓ. 7፡58፥ 8፡1። ደም እስጢፋኖስ ሰማዕትኻ ኸፍስሱ እንተለዉ ድማ፥ ባዕለይ ምስኣቶም ተሰማሚዐ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፤ ናይቶም ዝቐተልዎ ኽዳውንቲ እውን እሕሉ ነበርኩ’ በልክዎ። 21ንሱ ኸዓ ‘ኣነ፥ ኣብ ርሑቕ ናብ ዘለዉ ኣህዛብ፥ እልእኸካ ኣለኹ እሞ ኺድ’ በለኒ።”
22ክሳዕ እዝ ዘረባ እዙይ፥ ንጳውሎስ ሰምዕዎ፤ ብድሕሪዙይ ግና፥ ድምፆም ዓው ኣቢሎም፦ “ከምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብህይወት ክነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፥ ካብ ምድሪ ኣወግድዎ” በሉ። 23እቶም ህዝቢ ኽዳውንቶም እናደርበዩ፥ ሓመድ ንላዕሊ እናብነኑ ዋዕዋዕ ክብሉ እንተለዉ፥ 24እቲ ሓለቓ ሽሕ፥ ነቲ ዋዕዋዕ ዘበሎም ምኽንያት ምእንቲ ኽፈልጥ፥ “ኣብ ስፍራ ወታደራት ኣእቲኹም፥ ብመግረፍቲ መርምርዎ” ኢሉ ኣዘዘ። 25#ግ.ሓ. 16፡37። ክገርፍዎ ምስ ኣሰርዎ ኸዓ፥ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ “ንሓደ ሮማዊ ዜጋ፥ ብዘይ ፍርዲ ኽትገርፉዶ ተፈቒዱልኩም እዩ?” በሎ። 26እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ከይዱ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፥ “እዝ እትገብሮ ዘለኻ ፍለጥ፤ ምኽንያቱ እዝ ሰብኣይ እዙይ ‘ሮማዊ እዩ’ ” ኢሉ ነገሮ። 27እቲ ሓለቓ ሽሕ ከዓ መፂኡ፥ “ኣታ ሮማዊ ዲኻ? እስኪ ንገረኒ” በሎ። ጳውሎስ ከዓ “እወ” በሎ። 28እቲ ሓለቓ ሽሕ ኸዓ “ኣነስ፥ ነዝ ዜግነት እዙይ፥ ብዙሕ ገንዘብ ብምኽፋል እየ ዝረኸብክዎ” በሎ፤ ጳውሎስ ድማ “ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ” በሎ። 29እቶም ክምርምርዎ ኢሎም ኣብኡ ዝነበሩ ቐልጢፎም ካብኡ ኣግለሱ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ግና፥ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ኣረጋገፀ፥ ስለ ዝኣሰሮ ፈርሐ።
ጳውሎስ ኣብ መጋባእያ ኣይሁድ ንፍርዲ ኸም ዝቐረበ
30ብፅባሒቱ ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝኸሰስዎ ንፁር ነገር ክፈልጥ ደልዩ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ ፈትሖ። ንሊቃውንቲ ካህናትን፥ ንብዘሎ እቲ ዋዕላን ክእከቡ ኣዘዞም፤ ንጳውሎስ ድማ ኣምፂኡ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቖሞ።

醒目顯示

分享

複製

None

想要在所有設備上保存你的醒目顯示嗎? 註冊或登入