ዮናስ 3

3
ዮናስ ንእግዚኣብሄር ከም ዝተኣዘዞ
1-2ንኻልኣይ ጊዜ ኸዓ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዮናስ መፀ፦ “ተስእ፤ ናብ ነነዌ፥ ናብታ ዓባይ ከተማ ኺድ፤ ኣነ ዝነግረካ ስብከት ስበኸላ” በሎ። 3ዮናስ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ ተሲኡ ናብ ነነዌ ኸደ። ነነዌ ግና መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ እትወስድ፥ የመና ዓባይ ከተማ ነበረት። 4ዮናስ ናብታ ኸተማ ኽኣቱ መንገዲ ሓንቲ መዓልቲ ምስ ተጕዓዘ “ኣብ ውሽጢ እዘን ሰለስተ #3፡4 ሰለስተ፦ ዕብራይስጢ ኣርብዓ ይብል። መዓልቲ እዚኣተን ነነዌ ኽትግልበጥ እያ” ኢሉ ኣወጀ።
5 # ማቴ. 12፡41፥ ሉቃ. 11፡32። ሰብ ነነዌ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣመኑ፤ ፆም ድማ ኣወጁ፤ ኵሎም ሰባትውን ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ኣናእሽቶም ወጮ ተኸደኑ።
6እዝ ወረ እዙይ ናብ ንጉስ ነነዌ በፅሐ፤ ንሱ ድማ ኻብ ዙፋኑ ተሲኡ፥ ልብሲ መንግስቱ ቐንጠጠ፤ ወጮ ተኸዲኑውን ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ። 7ኣብ ህዝቢ ነነዌ ኸዓ፥ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን፥ ከምዙይ ዝብል ኣዋጅ ኣወጀ፦ “ሰብ ወይ እንስሳ ሓደኳ ኣይጥዓም። መጓሰ ኸፍቲ ኾነ መጓሰ ኣባጊዕ ዝኾነ ኣይጥዓሙ፤ ኣይውፈሩ፤ ማይውን ኣይስተዩ። 8ሰብን እንስሳን ወጮ ይከደኑ፤ ዓው ኢሎም ድማ ናብ እግዚኣብሄር የእውዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ ካብ ክፉእ መንገዱን፥ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ግፍዕን ይመለስ። 9እግዚኣብሄር እንተ ተመለሰን እንተ ተናሰሐን፥ ንሕና ኸይንጠፍእ ድማ፥ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመለሰን መን ይፈልጥ?”
10እግዚኣብሄር ከዓ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ከም ዝተመለሱ ግብሮም ረአየ። እግዚኣብሄርውን ነቲ ኸውርደሎም ኢሉ ተናጊርዎ ዝነበረ ኽፉእ ነገር ተናሲሑ ኣይገበሮን።

目前选定:

ዮናስ 3: ትመ15

高亮显示

分享

复制

None

想要在所有设备上保存你的高亮显示吗? 注册或登录