ሓጌ መእተዊ

መእተዊ
ትንቢተ ሓጌ ብ520ን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ተፅሓፈ። እዝ መፅሓፍ እዙይ፥ እግዚኣብሄር ንነቢይ ሓጌ ዝገለፀሉ፥ ሓፀርቲ መልእኽትታት ዝሓዘ መፅሓፍ እዩ።
እዝ ዘመን እዙይ፥ ህዝቢ እስራኤል ካብ ስደት ተመሊሶም፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንቑሩብ ዓመታት ዝነበሩሉ እዋን እዩ። ቤተ መቕደስ ግና ገና ዓንዩ እዩ ዝነበረ። ስለዙይ ነቢይ ሓጌ ንህዝብን ንመራሕቶምን፥ ቤተ መቕደስ ከም ብሓድሽ ክሃንፁ የተባብዖም። እግዚኣብሄር ከዓ እቶም ህዝቢ እንተ ደኣ ነፂሆምን ተቐዲሶምን፥ ሰላምን ሃብትን ከም ዝህቦም የተስፍዎም።
ትሕዝቶ
1. ቤተ መቕደስ ከም ብሓድሽ ክህነፅ ዝወፀ ትእዛዝ 1፡1-15
2. ተስፋን ምፅንናዕን ዝሓዘ መልእኽቲ 2፡1-23

高亮显示

分享

复制

None

想要在所有设备上保存你的高亮显示吗? 注册或登录