1
ማቴዎስ 14:30-31
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና ፈርሐ፤ ክጠልቕ ምስ ጀመረ ድማ፥ “ጐይታ! ኣድሕነኒ” ኢሉ ኣእወየ። ኢየሱስ ድማ ሽዑ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ “ኣታ እምነት ዝጐደለካ፥ ስለ ምንታይከ ተጠራጠርካ?” በሎ።
Порівняти
Дослідити ማቴዎስ 14:30-31
2
ማቴዎስ 14:30
ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና ፈርሐ፤ ክጠልቕ ምስ ጀመረ ድማ፥ “ጐይታ! ኣድሕነኒ” ኢሉ ኣእወየ።
Дослідити ማቴዎስ 14:30
3
ማቴዎስ 14:27
ኢየሱስ ግና ሽዑ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ ኣነ እየ” በሎም።
Дослідити ማቴዎስ 14:27
4
ማቴዎስ 14:28-29
ጴጥሮስ መሊሱ፥ “ጐይታ! ንስኻ እንተ ዄንካስ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናባኻ ኽመፅእ ኣዝዘኒ” በሎ። ንሱ ድማ “ነዓ!” በሎ፤ ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናብ ኢየሱስ ከደ።
Дослідити ማቴዎስ 14:28-29
5
ማቴዎስ 14:33
እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸዓ “ንስኻ ናይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ!” እናበሉ ሰገዱሉ።
Дослідити ማቴዎስ 14:33
6
ማቴዎስ 14:16-17
ኢየሱስ ግና “ብጥሙዮም ክኸዱ ኣይግባእን እዩ፤ ንስኻትኩም ደኣ ዝብላዕ ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኣብዙይ እንትርፊ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ካልእ የብልናን” በልዎ።
Дослідити ማቴዎስ 14:16-17
7
ማቴዎስ 14:18-19
ንሱ ግና “ናባይ ኣምፅእወን” በለ። ነቶም ሰባትውን ኣብ ሳዕሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ እናጠመተ፥ ኣመስጊኑ ባረኸ፤ ቈሪሱውን ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም።
Дослідити ማቴዎስ 14:18-19
8
ማቴዎስ 14:20
ኵሎም በሊዖም ፀገቡ፤ እቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ።
Дослідити ማቴዎስ 14:20
Головна
Біблія
Плани
Відео